Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 145

Who's Online

We have 189 guests and no members online

ዋና ቤት ፅሕፈት ማልት ምስ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካን ህዝብን ምምሕዳርን ከተማ ሸራሮን ብምትሕብባር ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሸራሮ ዝተሃነፀ መሰናድኦ ቤት ትምህርቲ ሙሴ 2 ለካቲት 2009 ዓ/ም ብርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ክቡር ኣይተ ኣባይ ወልዱ ተመሪቑ::

መሰናዶ ቤት ትምህርቲ ሙሴ መሪቖም ዝኸፈቱ ርእሰ ምምሕዳር ኣይተ ኣባይ ወልዱ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ፀገም ህዝቢ ንምቅላል ዓሊማ ትሃንፆም ዘላ ኣብያተ ትምህርቲ ብብርኪ ክልልን ሃገርን ይምዝገብ ንዘሎ ዕብየትን ልምዓትን ብርኪ ኮይኑ የገልግል ኣሎ ኢሎም::

እቲ ቤት ትምህርቲ ምእንተ ማዕርነትት ህዝብታት ኢትዮጵያ ቃልሲ ፈሊሙ ክቡር ህይወቱ ብዘወፈየ ተጋዳላይ ሙሴ ምስያሙ ዝተሰመዖም ሓጎስ ዝገለፁ ክቡር ኣይተ ኣባይ ወልዱ፤ ተምሃሮ ብትምህርቶም ነፊዖም ብምክትታል ተረከብቲ ሃገር ዝኾንሉ ባይታ ክፈጥሩ ከም ዘለዎም ብምዝኽኻር ማሕበረሰብ ከተማ ሸራሮን ታሕታይ ኣድያቦን ድማ ነቲ ቤት ትምህርቲ ግቡእ ሓለዋን ክንክንን ክገብሩሉ ይግባእ ኢሎም::

ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዶ/ር ታደለ ሓጎስ ብወገኖም ፤ ማልት ኣብ ህንፀት ኣብያተ ትምህርትን ምጥንኻር ማእኸላት ሳይንስን ቴክኖሎጅን ዝለዓለ ትኹረት ብምሃብ ትሰርሐሉ ቐንዲ ምክንያት ህዝብና ካብ ድሕረትን ድኽነትን ንምዉፃእ ዘኽእላ ቁልፊ መሳርሒ ትምህርቲ ብምዃኑ እዩ::

እዚ ስራሕታ ኣጠናኺራ ብምቕፃል ዋና ቤት ፅሕፈት ማልት ምስ ማልት ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካን ህዝብን ምምሕዳርን ከተማ ሸራሮን ብልዕሊ 24 ሚልዮን ብር ዝተሃነፀ መሰናድኦ ቤት ትምህርቲ ሙሴ ድማ ካብ ዕላማታትን ሸቶታትን ማልት እቲ ሓደ ስለዝኾነ እዚ ቤት ትምህርቲ ተጀሚሩ ክሳብ ዝዛዘም ብፅሒቶም ንዝተዋፅኡ ኩሎም ብሽም ሰራሕተኛታት ማልት ናእዳና ዝለዓለ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም::

ህንፀት መሰናድኦ ቤት ትምህርቲ ሙሴ ንፀገምናን ፀገም ደቅናን ዳህሲሱ ዝፈትሐ እዩ ፤ ብምዃኑ ድማ እቲ ቤት ትሞህርቲ ከም ገዛና ጌርና ብምክንኻን ዕድመ ኣገልግሎቱ ኣብ ምንዋሕ ግቡእና ክንዋፃእ ኢና ዝበሉና ድማ ነበርቲ ከተማ ሸራሮ ኣይተ ልጃለም ገ/መድህንን ወ/ሮ ፍረወይኒ ኪዳነ ማርያምን እዮም::

ተምሃራይ ዓምዶም ጉዑሽ ብወገኑ ቕድም ክብል ኣብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ተፀጊዕና ንምሃር ነይርና ኣብቲ እዋን ተምሃሮ ካብ ዕቅን ንላዕሊ ኣብ ክፍሊ ንምሃር ነይና ሕፅረት መምሀሪ ናዉቲ ዉን ነይሩ:: እዚ መሰናዶእ ቤት ትምህርቲ ብምህናፁ ኩሎም ፀገማትና ቀሪፉልና ኣሎ:: እዚ ንዝገበረትልና ማሕበር ልምዓት ትግራይ እናመስገንና ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ተምሃሮ ታሽዓይን ዓስራይን ክፍሊ ብኣግባቡ ዝጥቀሙሉ ባይታ ክፍጠረሎም ከም ዘለዎ ኣዘኻኺሩ::

 

Click here for more photos...

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms