Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 157

Who's Online

We have 21 guests and no members online

ቴክኖሎጂ ኣውተርኔት (Outer net) ዓለምለኸ መረዳእታ ትምህርትን ካልኦት ተዛመድቲ ሃፍቲ ሓበሬታ እንረኽበሉ ዓይነት ቴክኖሎጂ ድጅታል ላይብረሪ ኮይኑ ካብ ፍሉጣት ዩኒቨርሲቲታት ለገስቲ መፃሕፍቲ ብቴክኖሎጂ ኣውተርኔትን ኣቢሉ ትምህርታዊ መፃሕፍቲ፣ ምስልታትን መፅሓፈ ድምፅን ምርኻብ የኽእል። ማሕበር ልምዓት ትግራይ ድማ እዚ መሳርሒ ቴክኖሎጂ ኣብ ክልልና ናብ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ንምትእትታው ዝዓለመ መደብ ሓንፂፃ ኣብ ምንቅስቓስ እትርከብ ኮይና ዝሓለፈ ቀዳም 13 ጥሪ 2009 ዓ/ም ኣካላት ኣመራርሓ ማልትን ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይን፣ ሰብ ሞያ ኣይሲቲን መምህራንን ዪኒቨርሲቲታት መቐለ፣ ኣክሱም፣ ዓዲግራት፣ ማሕበረሰብ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖን ተሳተፍቲ መዓልቲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ዝኾኑ ተምሃሮን ኣብ ዝተረኸብሉ ናይ ሓደ መዓልቲ ዘተ ኣቃኒዓ።

ኣብቲ ዕለት ተመኩሮ ቴክኖሎጂ ኣውተርኔት ኣብ ዓለምና ዘድሃበ መዛተይ ፅሑፍ ዘቕረቡ ኣብ ኢትየዽያ ቴክኖሎጂ ኣውተርኔት ክጋፋሕ ዝሰርሑ ዘለው ወናኒ ኣይሲቲ ሶልሽንስ ኢትዮዽያ ኣይተ ግርማ ተገኔ ከም ዝበልዎ ፍልጠት ንኹሉ ዝብል ዕላማ ሒዞም ብቴክኖሎጂ ኣውተርኔት ኣቢሎም ዜጋታት ዓለም ካብ ከም እኒ ካህን ኣካዳሚ፣ ዊክፒድያ፣ፕሮጀክት ጋትበን ቢክስን ኣብ መዓልቲ ሓደ ጂቢ ዳታ ትምህርታዊ መፃሕፍቲ፣ መፅሓፈ ድምፅን ምስልን ምርካብ ዘኽእልን ኣብ ምምሕያሽ ፅፈት ትምህርቲ ዝለዓለ ኣበርክቶን ከምዝህልዎን ቴክኖሎጂ ምዃኑ ኣረዲኦም።

ኣይተ ግርማ ወሲኾም እንትገልፁ ቴክኖሎጂ ኣውተርኔት ኣብ ዓለምና ብዝተማለአ መልክዑ እንተተጋፊሑ ናይ ምጥቃም ተኽእሎኡ እንተዓብዩን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፣ ቀዳማይን ካልኣይን ብርኪ ኣብያተ ትምህርትን፣ ትካላት ጥዕና፣ ማዕኸናት ሓበሬታ፣ ኣብያተ ንባብን ተረባሕቲ ዝገብር እዩ ድማ ኢሎም።

ፈፃሚ ዳይሬክተር  ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዶክተር ታደለ ሓጎስ ብወገኖም እዚ ምዕቡልን ወፃኢ ቆጣባይን ኣብ ዝሓፀረ እዋን ኣብ ኣብያተ ትምህርትና ዘሎ ሕፅረት ቀረብ መፃሕፍቲ ዝቐርፍን ቴክኖሎጂ ኣውተርኔት ብብርኪ ዓለም ተወዳዳራይ ዝኾነ ዜጋ ንምፍጣር ካብ ዘኽእሉና መንገድታት ሓደ ብምዃኑ ኣብ ሓፂር ግዘ ክትኣታቶን ናብ ረብሓ ክውዕልን ዝለዓለ ትኹረት ተዋሂቡ ክስርሐሉ እዩ ኢሎም።

ማልት ቴክኖሎጂ ኣውተርኔት ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ክልልና ንምትእትታው እንትትልም ኣብ ክልልና ዝርከባ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ስሙር ግንባር ፈጢርካ ምስራሕ እቲ ቁልፊ ምዃኑ ኣሚኑ ብዝተዋደደ መልክዑ ይንቀሳቐስ ከም ዘሎ ፈፃሚ ዳይሬክተር  እታ ማሕበር ዶክተር ታደለ ሓጎስ ወሲኾም ገሊፆም።

ብኣስታት 20 ሽሕ ብር ዝወድኡ ናውቲ ኣቢሉ ብዝተኣታቶ ቴክኖሎጂ ኣውተርኔት ኣቢሉ ኣብ ዓለምና በብመዓልቱ ዝተወዝዑ ልዕሊ 1000 ትምህርታዊ መፃሕፍቲ፣ ትምህርታዊ ምስልታትን መፅሓፈ ድምፅን ንምርካብ ከምዝክኣል ዝገለፁልና ድማ ብዓል ሞያ ምሕደራ ኔትዎርክ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ተስፋሁን ሞጎስ እዮም።

ቴክኖሎጂ ኣውተርኔት ግሎቫል ዲጂታል ረሲቨር፣ ዲሽ፣ ብምግጣም ኔት ዎርክ ኣብ ዘይብሉ ከባቢ መፅሓፍ ዳውንሎድ ምግባር ዘኽእል ብምዃኑ ኣብያተ ትምህርትና ብንእሽተይ ወፃኢ ብዝሓሸ ቀረብ ቴክኖሎጂ ክህልወን ዝገብር ‘ውን እዩ ይብሉ ኣይተ ተስፋሁን ሞጎስ። 

ቴክኖሎጂ ኣውተርኔት (Outer net) ዓለምለኸ መረዳእታ ትምህርትን ካልኦት ተዛመድቲ ሃፍቲ ሓበሬታ ኮይኑ ካብ ፍሉጣት ዩኒቨርሲቲታት ለገስቲ መፃሕፍቲ ብቴክኖሎጂ ኣውተርኔትን ኣቢሉ ትምህርታዊ መፃሕፍቲ፣ ምስልታትን መፅሓፈ ድምፅን ምርኻብ የኽእል።

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ድማ እዚ መሳርሒ ቴክኖሎጂ ኣብ ክልልና ናብ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ንምትእትታው ዝዓለመ መደብ ሓንፂፃ ኣብ ምንቅስቓስ እትርከብ ኮይና ዝሓለፈ ቀዳም 13 ጥሪ 2009 ዓ/ም ኣካላት ኣመራርሓ ማልትን ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይን፣ ሰብ ሞያ ኣይሲቲን መምህራንን ዪኒቨርሲቲታት መቐለ፣ ኣክሱም፣ ዓዲግራት፣ ማሕበረሰብ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖን ተሳተፍቲ መዓልቲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ዝኾኑ ተምሃሮን ኣብ ዝተረኸብሉ ናይ ሓደ መዓልቲ ዘተ ኣቃኒዓ።

ኣብቲ ዕለት ተመኩሮ ቴክኖሎጂ ኣውተርኔት ኣብ ዓለምና ዘድሃበ መዛተይ ፅሑፍ ዘቕረቡ ኣብ ኢትየዽያ ቴክኖሎጂ ኣውተርኔት ክጋፋሕ ዝሰርሑ ዘለው ወናኒ ኣይሲቲ ሶልሽንስ ኢትዮዽያ ኣይተ ግርማ ተገኔ ከም ዝበልዎ ፍልጠት ንኹሉ ዝብል ዕላማ ሒዞም ብቴክኖሎጂ ኣውተርኔት ኣቢሎም ዜጋታት ዓለም ካብ ከም እኒ ካህን ኣካዳሚ፣ ዊክፒድያ፣ፕሮጀክት ጋትበን ቢክስን ኣብ መዓልቲ ሓደ ጂቢ ዳታ ትምህርታዊ መፃሕፍቲ፣ መፅሓፈ ድምፅን ምስልን ምርካብ ዘኽእልን ኣብ ምምሕያሽ ፅፈት ትምህርቲ ዝለዓለ ኣበርክቶን ከምዝህልዎን ቴክኖሎጂ ምዃኑ ኣረዲኦም።

ኣይተ ግርማ ወሲኾም እንትገልፁ ቴክኖሎጂ ኣውተርኔት ኣብ ዓለምና ብዝተማለአ መልክዑ እንተተጋፊሑ ናይ ምጥቃም ተኽእሎኡ እንተዓብዩን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፣ ቀዳማይን ካልኣይን ብርኪ ኣብያተ ትምህርትን፣ ትካላት ጥዕና፣ ማዕኸናት ሓበሬታ፣ ኣብያተ ንባብን ተረባሕቲ ዝገብር እዩ ድማ ኢሎም።

ፈፃሚ ዳይሬክተር  ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዶክተር ታደለ ሓጎስ ብወገኖም እዚ ምዕቡልን ወፃኢ ቆጣባይን ኣብ ዝሓፀረ እዋን ኣብ ኣብያተ ትምህርትና ዘሎ ሕፅረት ቀረብ መፃሕፍቲ ዝቐርፍን ቴክኖሎጂ ኣውተርኔት ብብርኪ ዓለም ተወዳዳራይ ዝኾነ ዜጋ ንምፍጣር ካብ ዘኽእሉና መንገድታት ሓደ ብምዃኑ ኣብ ሓፂር ግዘ ክትኣታቶን ናብ ረብሓ ክውዕልን ዝለዓለ ትኹረት ተዋሂቡ ክስርሐሉ እዩ ኢሎም።

ማልት ቴክኖሎጂ ኣውተርኔት ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ክልልና ንምትእትታው እንትትልም ኣብ ክልልና ዝርከባ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ስሙር ግንባር ፈጢርካ ምስራሕ እቲ ቁልፊ ምዃኑ ኣሚኑ ብዝተዋደደ መልክዑ ይንቀሳቐስ ከም ዘሎ ፈፃሚ ዳይሬክተር  እታ ማሕበር ዶክተር ታደለ ሓጎስ ወሲኾም ገሊፆም።

ብኣስታት 20 ሽሕ ብር ዝወድኡ ናውቲ ኣቢሉ ብዝተኣታቶ ቴክኖሎጂ ኣውተርኔት ኣቢሉ ኣብ ዓለምና በብመዓልቱ ዝተወዝዑ ልዕሊ 1000 ትምህርታዊ መፃሕፍቲ፣ ትምህርታዊ ምስልታትን መፅሓፈ ድምፅን ንምርካብ ከምዝክኣል ዝገለፁልና ድማ ብዓል ሞያ ምሕደራ ኔትዎርክ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ተስፋሁን ሞጎስ እዮም።

ቴክኖሎጂ ኣውተርኔት ግሎቫል ዲጂታል ረሲቨር፣ ዲሽ፣ ብምግጣም ኔት ዎርክ ኣብ ዘይብሉ ከባቢ መፅሓፍ ዳውንሎድ ምግባር ዘኽእል ብምዃኑ ኣብያተ ትምህርትና ብንእሽተይ ወፃኢ ብዝሓሸ ቀረብ ቴክኖሎጂ ክህልወን ዝገብር ‘ውን እዩ ይብሉ ኣይተ ተስፋሁን ሞጎስ። 

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms