Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 160

Who's Online

We have 13 guests and no members online

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ፀገም ህዝቢ ብምፍታሕ ካብ ድኽነትን ድሕረትን ናፃ ዝኾነት ትግራይ ንምፍጣር ዓሊማ ኣብ ኩሎም ግንባራት ልምዓት ብፍላይ ክዓ ኣብ ትምህርትን ጥዕና ዓበይቲ ዕማማት ወጊና እያ።

ካብ ኣባላታ፣ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት፣ ደገፍትን ካልኦት ፍልፍላት ሃፍትን ብምትእኽኻብ ንጡፍ ተሳትፎ ሕብረተሰብ ብምዕባይ ኣብ ድልየት ሓፋሽ ዝተመስረቱን መንግስቲ ክሽፍኖም ዘይኽእሉን ድልየታት መሰረት ልምዓት ህዝቢ ናይ ምሽፋን ልኡኽ ሒዛ እናሰርሐት ዘላ እዛ ማሕበር ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ዙርያ ምዕባይ ለውጢ ኣተሓሳስባ ተምሃሮ ዘድሃበ ፈተነ ፕሮጀክት ምፍጣር ̋̋ማዕብልቲ ኣብያተ ትምህርቲ (thinking schools) ̋ ዘሎ ከይዲ ኣፈፃፅማን ክሰፍሑ ዝግብኦም ብሉፃት ስራሕትን መሰረት ዝገበረ ዓውደ መፅናዕቲ ኣብ ሆቴል ኣክሱም ኣዳልዩ።

ኣብቲ ዘተ ኣካላት ኣመራርሓ ማሕበር ልምዓት ትግራይ፣ መተሓባበርቲ ፕሮጀክት መርኣያ ማዕበልቲ ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ፣ ቲንኪንግ ስኩል ኢንተርናሽናል፣ ኣብቲ ፕሮጀክት ካብ ዝተሓቖፉ ኣብያተ ትምህርቲ መርኣያ ዝኾኑ መምህራን ምሁራን ዩኒቨርስቲ መቐለን ዓዲግራትን ተሳተፍቲ ኮይኖም ‘ዮም።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዶ/ር ታደለ ሓጎስ ኣብ ዘስምዑዎ ዘረባ ማልት መንግስቲ ክሽፍኖም ኣብ ዘይኽእሉ ስራሕቲ ብምእታው መንግስቲ ኣብ ዘነፀሮም ዓውድታት ስራሕ ብምእታው ትንቀሳቐስ ዘላ ኮይና ብፍላይ ኣብ ምምሕያሽ ፅሬት ትምህርትን ጥዕናን ትኹረት ብምግባር ኣብ ልምዓት ሓይሊ ሰብ እዚ ክልል ትሰርሕ ምህላዋ ኣረዲኦም።

ኣብ ትምህርቲ ብክልተ መዳይ ማለት ‘ውን ኣብ ህምህናፅ ኣብያተ ትምህርቲ ኣቢሉ ኣብ ዝርገሐን ፍትሓውነትን ብፕሮጀክት ኣቢሉ ኣብሬምምሕያሽ ፅፈት ትምህር ዝለዓለ ትኹረት ሂባ ትንቀሳቐስ ኣላ ዝበሉ ዶ/ር ታደለ ካብዚኦም ሓደ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ኩለን ዞባታት ክልልና ንፈተነ ኣብ ዝተመረፃ 12 ወረዳታትን 37 ኣብያተ ትምህረትን ቲንኪንግ ስኩል ካብ ውሽጢ ንደገ ብዝብል ዝፍፀም ዘሎ ፕሮጀክት ኣብ ምምሕያሽ ፅሬት ትምህርቲ ናይ ባሉ ግደ ኣብ ምፅዋት ከምዝርከብ ገሊፆም።

ምንቅስቓስ ምዕባይ ዓቅሚ ኣተሓሳስባ ኣብ ምምሕያሽ ፅሬት ትምህርቲ ዘምፅኦ ዘለ ረብሓ ብኣንፃር ተመኩሮ ሃገራት ዓለምን ሃገርናን ብዝብል ፅንዓታዊ ፅሑፍ ዘቅረቡ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ሓላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ምርግጋፅ ብቕዓት ትምህርትን መምህር ፔዳጎጂካል ሳይንስ ንጉስ ወ/ማርያም ብወገኖም፤ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ሓንፂፃ ናብ ኣብያተ ትምህርቲ ምትግባር ጀሚራቶ ዘላ ፕሮጀክት ቲንኪንግ ስኩል መንግስቲ ኣብ ምምሕያሽ ፅሬት ትምህርቲ ዝሓንፀፆ ፓኬጅ ብኣግባቡ ንምፍፃም ዝሕግዝን ንፖሊሲ ትምህርቲ ሃገርና ማእኸል ዝገበረን ብምዃኑ ኣጠናኺራ ክትቕፅለሉ ይግባእ ኢሎም።

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ 20 ወረዳታት 337 ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ዝሓቖፈ ፕሮጀክት ክእለት ንባብ ብቁልዕነትን 122303 ተምሃሮ 2738 መምህራን ኣብ 10 ወረዳታትን 336 ኣብያተ ትምህርቲ ድማ ፕሮጀክት ማሕበረሰብ ተኮር ምምዕባል ክእለት ምንባብን ምፅሓፍን ድማ 199878 ተምሃሮ፣ 2538 መምህራንን ብሓፈሻ 324944 ተምሃሮን መምህራንን ተረባሕቲ ዝኾኑሉ ባይታ ምፍጣር ክኢላ እያ።

 

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms