Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 144

Who's Online

We have 96 guests and no members online

ማሕበረሰብ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ይበፅሖም ዝነበረ ብሄራዉን ደርባዉን ወፅዓታት ንምቕንጣጥ እዋኖም ዝጠልቦም ቃልስታት ከካይዱ ድሕሪ ምፅናሕ ንስርዓት ደርግ ኣልዮም።


ድሕሪ ምድምሳስ ስርዓት ደርግ ሃገርና መፃኢ ምዕባለኣ ዘግህድን ኣብ ጐደና ምዕባለ ክትስጉም ዘኽእላ ሕገ-መንግስቲ ኣድላይ ብምዃኑ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ብወከልቶም ኣቢሎም 29 ሕዳር 1987 ዓ/ም ንሕገ-መንግስቲ ፌደራላዊ ዲሞክራሲያዊ ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ ኣፅዲቖም።


ሕገ-መንግስቲ ሃገርና ዝፀደቐሉ 29 ሕዳር መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ተባሂሉ ክብዓል ካብ ዝውሰን ንነዘ ንመበል 11 ግዘ 29 ሕዳር 2009 ዓ/ም ኣብ ተምሳሌት ምክእኣል፣ ፍቕርን ሓድነትን ዝኾነት ከተማ ሃረር ሕገ መንግስትና ንዲሞክራሲዊ ሓድነትናን ህዳሰናን ብዝብል ቴማ ዝተብዓለ ኮይኑ ኣብ ክልልና 'ውን ብድሙቕ ፅንብል እንትብዓል፤ ማልት ፅፈት ትምህርቲ ንምምሕያሽ ዓሊማ ካብ ዝሃነፀተን ኣብያተ ትምህርቲ ሓንቲ ኣብ ዝኾነት ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ 'ውን ብዝተፈላለዩ ፅምብላት ተባዒሉ እዩ።


እቲ ብዓል ሰራሕኛታትን ተምሃሮን እቲ ቤት ትምህርቲ፣ ኣብታ ቤት ትምህርቲ ተማሂሮም ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ዕዮን ሆስፒታላትን እናሰርሑ ዝርከቡ ኣባላት ማሕበር ተምሃሮ ነበር እቲ ቤት ትምህርትን ተረኺቦም እዮም።

 


ኣብቲ ዕለት ዝተረኸቡ ተወካሊ ፈፃሚ ዳይሬክተርን ዳይሬክተር ዳሬክቶሬት ትልሚ፣ ክትትልን ኮሙዩኒኬሽንን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ሰለሞን ሕሉፍ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ፤ ብሄር ብሄረሰባት ኣብ መፃኢ ምዕባለ ሃገሮም ኣድሂቦም ዝዝትዩሉ፣ ሓበራዊ ሃገራዊ ኣረዳድኣ ሒዞም ሓበራዊ ዕላምኦም ከሰጉሙ ዝኽእሉሉን ባይታ ካብ ምፍጣር ሓሊፉ፤ ዘላቒ ሰላምን ዉሕስነት ዘለዎ ዲሞክራስን ክሰፍን፣ ቁጠባዊ ማሕበራዉን ዕብየት ክሳለጥ ዘኽአሎም ዕለት ብምዃኑ በብዓመቱ ብዝደመቐን ዝድለ መልእኽቲ ብዘሕልፍን መልክዑ የብዕልዎ ኣለው ኢሎም።


ኣይተ ሰለሞን ወሲኾም እንትገልፁ ማልት ኣብቶም ዝሓለፉሉ 28 ዓመታት ንቓላሚኖ ሓዊሱ ብርክት ዝበላ ኣብያተ ትምህርቲ ትካላት ጥዕናን ብምህናፅ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ማሕበራውን ቁጠባውን ዘፈራት ስሉጥ ልምዓት ንክረጋፅ ኣኽኢላ እያ። ኣብ ቓላሚኖ እትምሃሩ ዘለኹም ተምሃሮ 'ውን ብውፅኢትኩም ፀብለልታ ብምርኣይ ህዝቢ ትግራይ ካብ ናትኩም ፍልጠትን ዓቕምን ተረባሒ ዝኾነሉ ባይታ ብምፍጣር ህዝብና ካብ መዓሙቕ ድኽነት ንክወፅእ ኣበርቲዕኹም ክትሰርሑ ይግባእ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።


ርእሰ መምህር ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ መምህር ገብረመድህን ኣብርሃ ብወገኖም፤ ብዓል መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ኣብ ቀፅሪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ እንትብዓል ጎና ጊኒ ብዓል ምስረታ እቲ ቤት ትምህርቲ 'ውን ሓቢርና እናተብዓለ ምምፅኡ እቲ ብዓል ዝያዳ ክደምቕን ረዚን መልእኽቲ ብዘሕልፍ መልክዑ ክሓልፍን የክእሎ ብምህላው እዚ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣብቲ ዕለት ገሊፆም።


ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ካብ 23 ክሳብ 25 ሕዳር 2009 ዓ/ም ኣብ ዘካየዶ ዓመታዊ ጉባኤ ትምህርቲ ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ኣብ ምምሕያሽ ፅሬት ትምህርቲ ዘርኣየኦ ምንቅስቓስ እንትሽለማ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ፅዋዕ እንትትቕበል ብትምህርቶም ፀብለልታ ንዘርኣዩ 159 ተምሃሮ ካብ ታሽዓይ ክፍሊ፣ 77 ተምሃሮ ዓሽራይ ከምኡ'ውን 33 ተምሃሮ ካብ 12 ክፍሊ ብር ሓደ ሽሕን ምስክር ወረቐትን ንምሽላም ከምዝበቕዑ ኣብቲ ዕለት ዘዘኻኸሩ ርእሰ መምህር ገብረመድህን ኣብርሃ፤ እዚ ውፅኢት ተዓቂቡ ንክኸይድ ተምሃሮ፣ መምህራን፣ ማሕበረሰብ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖን ፃዕሮም ከሐይሉ ይግባእ ክብሉ ኣገንዚቦም።

 

 

 

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms