Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 144

Who's Online

We have 123 guests and no members online

ብኣቆፃፅራ ፀዓዱ 1991 ዝተመስረተት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ጀርመን ኣብ ክልልና ዘሎ ሽፋንን ፅሬትን ጥዕና ንምምሕያሽ፣ ኣብ ህንፀት ኣብያተ ትምህርት ትኹረት ብምግባርን ክትሰርሕ ዝፀንሐት ኮይና ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 57,850 ዩሮ ዝወድኡ 199 ዓይነት ናውቲ ሕክምና ንዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ከምኡ̦’ውን 54,255 ዪሮ ዝወድኡ ናውቲ ሕክምና ድማ ኣብ ትሕቲ ዪኒቨርሲቲ መቐለ ንዝመሓደርን ካብ ክልልናን ውሱን ክፋል ክልላላት ዓፋረን ኣምሓራን ንዝመፁ ኣስታት 8 ሚልዮን ህዝቢ ዘገልግል ኮምፕሪሄንሲቭ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ሓገዝ ኣበርኪታ እያ።

 ታሕሳስ 2008 ዓ/ም ድማ በታ ማሕበር ኣቢሉ ዝተውሃበን ልዕሊ 1.3 ሚልዮን ብር ዝዋገኦም 110 ዓበይትን ህፃናትን ተሓከምቲ ደቂሶም ዝሕከምሉ ዓራት ፍራሽን ካልኦት ናውቲ ሕክምናን ንሪፈራል ሆስፒታል ኣክሱም ኣገልግሎት ዝውዕለሉ ባይታ ንምፍጣር ስነ ስርዓት ርኽክብ ተገይሩ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ርኽክብ ዝተረኸቡ ዳሬክተር ዳይሬክቶሬት ትልምን ክትትልን ኮሙኒኬሽን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ሰለሞን ሕሉፍ ከም ዝበልዎ፤ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝርከቡ ደገፍትን ኣባላትን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ፀገም ህዝብና ንምፍታሕ ሰፋሕቲ ፃዕርታት እናገበሩ ‘ዮም። ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ጀርመን ድማ ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ማሕበራዊ ልምዓት ብፍላይ ክዓ ኣብ ምምሕያሽ ቀረብን ፅፈትን ጥዕና ከምኡ’ውን ትምህርቲ እትገብሮ ዘላ ተሳትፎ ብሽም ተጠቃማይ ህዝብናን ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይን ክነመስን ንፎቱ ኢሎም።

እቲ ሕዚ ዝተውሃበ ሓገዝ ናውቲ ሕከምና ኣብ ትሕቲ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ንዝመሓደር ሓዱሽ ሪፈራል ሆስፒታል ክውዕል ዝተገበረሉ ቀንዲ ምኽንያት ዘለዎ እዋናዊ ፀገም ናውቲ ሕክምና አብ ግምት ዘእተወ ብምዃኑ ተጠቃማይ ሕብረተሰብ ግቡእ ጥንቃቐ ገይሩ ከጥቀመሉ ይግባእ ክብሉ ኣይተ ሰለሞን ኣተሓሳሲቦም።

ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ዶክተር ፀሃየ ኣስመላሽ ብወገኖም፤ ሰለስተ ዓይነት ስራሕቲ ማለት‘ውን ናይ ምምሃር፣ ምሕካምን ማሕበረሰባዊ ኣገልግሎትን እናሃበ ዝርከብ ሪፈራል ሆስፒታል ዪኒቨርሲቲ ኣክሱም ህንፀቱ ብምዝዛም ናብ ስራሕ እንትኣቱ ብናይ ተምሃሮ ዓራትን ፍራሽን ኣቢሉ ከምዝነበረ ምስ ገለፁ፤ እቲ ሕዚ ብማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ጀርመን ዝተበርከተ ሓገዝ ዓራትን ፍራሽን አዋኑ ዝጠልቦ ብምዃኑ ዝሐሸ ኣልግሎት ጥዕና ምሃብ ዘኽእል እዩ ክብሉ ገሊፆም።

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨናፍራ ብምትሕብባር እትገብሮ ዘላ ምንቅስቃስ ዝንኣድ እዩ ዝበሉ ዶክተር ፀሃየ ማልት ጨንፈር ጀርመን ዝገበሮ ሓገዝ ‘ውን ብሽም ዩኒቨርሲቲ ኣክሱምን ተጠቃማይ ሕብረተሰብናን ዘለና ናእዳ ክንገልፅ ንፎቱ ኢሎም። 

 

 

 

 

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms