Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 144

Who's Online

We have 121 guests and no members online

ማልት ምስ ራሄል ቤተ ጥበብ ብምትሕብባር ብፋይቶነት ንምዝሓደራ፣ ፅጉማትን ኣብ ደመን ኤች ኣይቪ ኤድስ ንዘለወን ወገናትን ዓቕመን ዘዕብያሉን ዝሐሸ መነባብሮ ዝመርሓሉን ባይታ ንምፍጣር ኣስታት ንክልተ ሰሙን ክውሃበን ዝፀንሐ ስልጠና ድሕሪ ብምዝዛም 35 ደቂ ኣንስትዮ ብሰርተፍኬት ኣመሪቓ::

 

እተን ደቂ ኣንስትዮ ፀገም ህዝቢ ንምቅላል ዓሊማ እትሰርሕ ዘላ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንፀገምና ኣብ ግምት ብእምታው  ኣብ ሰለስተ ዘፈራት ጥበብ ማለት 'ውን ብስፈ፣ ስራሕቲ ዳቴልን ጥልፍን ስልጠና ሂባትና ኣላ:: እቲ ሐዚ ረኺብናዮ ዘለና ስልጠና ድማ ፀገም ኣጥቂዑና ካብ ዝኣተና ፋይቶነትን ብምኽንያት ፀገም ጥዕና መነባብሮና ብኣግባቡ ከይንመርሕ ሓሊኹ ሒዙና ዝነበረ ፀገም መነባብሮ ብምቕራፍ ብዝነኣሰ ጉልበትን ገንዘብን ኣውፂእና መነባብሮና ክንመርሕ ዘኽእለና እዮ ኢለን::

 

ኣብቲ ዕለት ተረኺቦም ንሰልጠንቲ ሰርተፊኬት ዝሃቡ ኣብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዳሬክተር ዳሬክቶሬት ትግበራ ልምዓታዊ  ፕሮግራማት  ኣይተ ንጉስ ኸበዶም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ማልት ህልዊ ኩነታት ፀገም ደቂ ኣንስትዮ  አድሂባ ፅንዓት ብምክያድ ደቂ ኣንስትዮ ዓቕመን ዘዕብያሉ ስልጠና ክትህብ ከም ዘለዋ ብምውሳን ንመፈተኒ ፕሮጀክት 450 ሽሕ ብር ወፃኢ ብምግባር ስልጠና ብምሃብ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ስራሕ ዝኣትዋሉ ባይታ ፈጢረ ኣላ:: ብምዃኑ ድማ ሰልጠንቲ ካብቲ ስልጠና ስልጠና ዝረኸበኦ ክእለትን ፍልጠትን ተጠቒመን መነባሮአንን መነባብሮ ስድርአን ንከመሓያሽ ኣበርቲዐን ክሰርሓ ከም ዘለወን ኣተሓሳሲቦም::   

 

ነቲ ፕሮጀክት ስልጠና ዘተሓባበራን ኣብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ መተሓባሪት ፕሮጀክት ማዕበልቲ መርኣያ ኣብያተ ትምህርቲ ወ/ሮ ንግስቲ ፀጋይ ብወገነን ደቂ ኣንስትዮ ማሕበር ልምዓት ምስ ራሄል ቤተ ጥበብ ብምትሕብባር ሰልጠንቲ ንፈለማ እዋን ዘፍረየኦም ፍርያታት ዕዳጋ ናይ ምትእስሳር ስራሕቲ ከም ዝስራሕ ብምግላፅ ንሕድሕድ ዝሰልጠናሉ ዘፈር ጥበብ መበገሲ ዝኸውን ናውቲ ተገዚኡ ከም ዝውበሃንን ከምዚ ዓይነት ስልጠና ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉን ገሊፀን:: 

 

ነባሪት ክፍለ ከተማ ኩሓ ንእስቲ ሰላም ገብረኪዳን ተጠቃሚት ፀረ ኤች ኣይቪ ቫይረስ ምዃና ትዛረብ:: ነባሪት ክፍለ ከተማ ሓወልቲ ወ/ሮ ፅገ ወልደጅወርግስ ድማ ብፋቶነት ከምዝምሓደራ ይገልፃ:: ሕዚ ግና ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምስ ራሄል ኣርት ጋላሪ ብምትሕብባር ዝተውሃበን ስልጠና ስፈን ዳቴልን ኣቢለን ናብ ተግባር ስራሕ ብምእታው ናብርአን ንምልዋጥ ከምዝንቀሳቐሳ ገሊፀን::    

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms