Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 160

Who's Online

We have 176 guests and no members online

 

ኣብ ውሽጢ ዓድን ዝርከቡ ተጋሩን ደገፍቲ ማሕበር ልምዓት ትግራይን መንግስቲ ክሽፍኖም ኣብ ዘይኽእሉ ህንፀታት መሰረተ ልምዓት ቁልፉ እጃም ብምብርካት ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምቅላል ይርከቡ::

 

ኣብ 2004 ዓ/ም ብውሱናት ብግዱሳት ተወለድቲ ትግራይ ተወዲቦም ከንቀሳቐሱዋ ዝፀንሑ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ፖትር ሱዳን ጨንፈር ገምገም ቐይሕ ባሕሪ ድማ ቁፅሪ ኣባላታ ካብ እዋን ናብ እዋን እናሰሰነ ሕዚ 130 ኣባላት ሒዛ ኣብ ምንቅስቓስ ከም እትርከብ ኣቦወንበር እታ ማሕበር ኣይተ መብራቱ ገብረ እግዚኣብሄር ይገልፁ::    

 

ኣይተ መብራቱ ነዚ ዝገለፁ ኣብዚ ዓመት ካብ ኣባላት እታ ማሕበር ዝተኣከበ ቅርሺ ናብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓትትግራይ መፂኦም ኣታዊ ኣብ ዝገበርሉ እዋን እዩ:: ካብ 2005 ክሳብ 2008 ዓ/ም 66,655 ብር ኣታዊ ከም ዝገበሩ ዘረድኡ እቶም ኣቦወንበር እታ ማሕበር ካብ እዋን ናብ እዋን ዝሐሸ ኣፈፃፅማ ብምርኣይ ህዝቢ ትግራይ ዝርብሐሉ ባይታ ንምንዳይ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምስ ኤምባሲ ሱዳንን ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ሱዳን ስጡም ርክብ ንክህሉ ብምግባር ኣቢላ ክትድግፎም ፀዊዖም::  

 

ኣብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ትልምን ክትትልን ኮሙኒኬሽንን ኣይተ ሰለሞን ሕሉፍ ብወገኖም፤ ማልት ኣብ ትግራይ መንግስቲ ክሽፍኖም ኣብ ዘይኽእሉ ዓውደ ግንባራት ልምዓት ብምውፋር ህዝቢ ዝርብሐሉ ስሉጥ ዕብየትን ልምዓት ዝረጋፀሉ ባይታ ንምንዳይ ኣብ ትምህርቲ ኣብ ህንፀት ቀዳማይን ካልኣይን ብርኪ ኣብያተ ትምህርትን ማኸላት ሳይንስን ቴክኖሎጅን፣ ኣብ ጥዕና ድማ ክልተ ሆስፒታላትን 79 ጣብያታት ጥዕናን ካልኦትን ከምዝሃፀት ብምግላፅ ነዚ ዕላማ ብምድጋፍኣባላት ማልት ጨንፈር ፖትር ሱዳን ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ንዝገብሩዎ ገንዘባዊ ሓገዝን ንህዝቢ ትግራይ ንዘርኣዩዎ ወገናውነትን ናእደኦም ገሊፆም::   

 

ኣይተ ሰለሞን ማልት ምስ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዘለው ኣባላታን ብደገፍታን ብምዃን መደባታ ብኣግባቡ ንምዕዋት ትሰርሕ ዘላ ኮይና ኣባላት ማልት ፖትር ሱዳን ገምገም ቐይሕ ባሕሪ ንዘሳልጡዎም መደባት ብኣግባቡ ንምፍፃም ምስ ኢምባሲ ሱዳን ዋና ቤት ፅሕፈት ማልት ጨንፈር ሱዳንን ስሙር ግንባር ንምፍጣር ከምዝስራሕ ብኣይተ መብራህቱ ገብረእግዚኣብሄር ተመሪሖም ንዝመፁ ኣባላት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ገምገም ቐይሕ ባሕሪ ገሊፆምሎም::     

 

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms