Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 168

Who's Online

We have 124 guests and no members online

ኣብ ወረዳ ወርዒለኸ ጣብያ ዕዳጋ ሓሙስን ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ከባቢ ዕዳጋ በርሀን ብማሕበር ልምዓት ትግራይ ይህነፁ ዘለው ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ንምዕዛብ ጉዕዞና ዝገበርና ጉጅለ ጋዜጠኛታት ኣብተን ኣብያተ ትምህርቲ ዓሪፍና ኣለና::

ፈላማይ ጉዕዞና ህዝቢ ዕዳጋ ሓሙስ እቲ ብማሕበር ልምዓት ትግራይ ይህነፀሉ ዘሎ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ከም ናይ ውልቀ ንብረቱ ብምቑፃር በብተራ ክትትል ክም ዝገብር ዝሰማዕናዮ ወረ ሓቂ ኮይኑ ብኣካል ክከታተሉምስ ዝረኸብናም ነባሪ ጣብያ ዕዳጋ ሓሙስ ሓለቓ ሓምሳ ክንፈ ገብረማያም ወግዕና ቀፂልና::

 

ከም መብርሂ ሓለቓ ሓምሳ ክንፈ ቅድም ክብል ኣብ ከባቢና ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ብዘይምንባሩ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ክህነፀልና ናብ ምምሕዳር ወረዳ ወርዒለኸ ሕቶ ነቕርቡ እኳ እንተነበርና እቲ ሕቶ ካብ ዓቕሚ መንግስቲ ንላዕሊ ስለዝኾነ ቅድም ውላድና ናብ ከተማ ዕዳጋ ዓርቢ፣ ነበለትን ካልኦት ኣዝማድና ናብ ዘለውሉ ከባቢ ስንቂ ኣስኒቕና ነምህር ነይርና:: ኣብ ከይዲ ገለ ገሊኦም እቲ ትምህርቲ ይዛዝምዎ ገለ ገሊኦም ድማ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት የቛርፁ ነይሮም:: ነዚ ፀገምና ኣብ ግምት ዘእተወት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ንምህናፅ ሰረት እምና ኩርናዕ ብምንባራ ሕብረተሰብ ጣብያ ዕዳጋ ሓሙስ ታሕጓሱ ብሰላማዊ ሰልፊ ገሊፁ ዝነበረ ኮይኑ ሕዚ ድማ እቲ ህዝቢ ኣብ ከይዲ ህንፀት ዘሎ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣድላይ ዘበለ ክትትል ደገፍን ይገብረሉ ስለዘሎ ካብኦም ሓደ ኮይነ ሎምዓንቲ ኣብዚ ቀፅሪ ክትትል ብምግባር ዜግነታዊ ግቡአይ ክዋፃእ ረኪብኩምኒ ብምባል ይገልፁ:: 

 

እዚ ቤት ትምህርቲ ከም ናይ ዓርስና ገዛ ቖፂርና ከይዲ ህንፀቱ ክትትል ንገብር ዘለና ቀረብ ትምህርቲ ንምርካብ እቲ ዘሕለፍና ከርተት፣ ዝረኸብና ስቓይን መከራን ብኣግባቡ ስለዝተገንዘብና፣ብትካል ህዝቢ ትግራይ ዝኾነት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ይህነፅ ዘሎ ቤት ትምህርቲ ብምዃኑን ረብሓና ዘረጋፀልና ኮይኑ ስለዝረከብናዮን እዩ ብምባል ዝገለፁልና ሓለቓ ሓምሳ ክንፈ ረብሓ ህዝቢ ዕዳጋ ሓስን ህዝቢ ትግራይን ንምርግጋፅ ብዕቱብ ምስ እትሰርሕ ዘላ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ሰሚሮም ከም ዝሰርሑ ሓቢሮም:: 

 

ኣብ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ከተማ ዕዳጋ በርሀ ነበርቲ ዝኮኑ ሼኽ ያሲን ማዕሩፍን ወ/ሮ ሙሉ መብራቱን ብወገኖም ህንፀት ቤት ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዕዳጋ በርሀ ኣብ ትምህርቲ ዝነበረ ፀገም ብመሰረቱ ዝቐርፍን ንፀገምና ዝጋልሀን እዩ ብምባል ይገልፁ:: ብምዃኑ ድማ ምስዛ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምቅላል ዝለዓለ ትኹረት ሂባ ትሰርሕ ዘላ ትካል ህዝቢ ሓቢርና ብምስራሕ ቐፀልቲ ፀገማና ክንኣሊ ኢና ይብሉ:: 

 

ኣብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ መሃዲስ ዝኾኑ ኢንጅነር ታደለ ግርማይ ብወገኖም ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምስ ከባቢ ማሕበረሰብ ብምትሕብባር ዝተዋደደ ማሕበረሰባዊ ልምዓት ብዝብል ኣብ ወረዳ ታሕታይን ላዕላይን ማጨውን ኤግሌመር ኦፍ ሆፕን ካብ 2007 ዓ/ም ናብዚ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ክፍፀሙ ካብ ዝተተሓዙ ፕሮግራማት ብልዕሊ 13.2 ሚልዮን ሓደ ጥዕና ትካልን ትሽዓንተ ኣብያት ትምህርትን ናይ ምስፍሕፋሕ ስራሕ ብምስርሑ ኣብ 2008 ዓ/ም ኣገልግሎት ክህቡ ዝኽኣ ኮይኖም፤ ካልኣይ ምዕራፍ ናይዚ ፕሮጀክት ብልዕሊ 22 ሚልዮን ብር ኣብ 10 ኣብያተ ትምህርቲ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ይካየዱ ከም ዘለውን ካብዚኦም ብ5.5 ሚልዮን ብር ህንፀቱ 80 ሚኢታዊ ኣብ ምጥቕላል ዝርከብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዕዳጋ በርሀ ኣብ 2009 ዓ/ም ካብ ጣብያታት ዓዲ ሑፃ፣ ቤተ ሰማእቲ፣ ምሬና፣ ሓዎስታ፣ ደምበዛን ኣብ ወረዳ ናዕዴር ዓዴት ንዝመፁ 600 ዝኣኽሉ ተምሃሮ ኣገልግሎት ከም ዝህብ ኣረዲኦም::   

 

እዚ ከም ዘሎ ኮይኑ ሰፊሕ ዝኾነ ፀገም ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዝነበሮም ነበርቲ ወረዳ ወርዒለኸ ጣብያ ዕዳጋ ሓሙስ  ማልት ፀገም ንምእላይ ብዝሃበቶ ልዑል ቆላሕታ ብልዕሊ 8.9 ሚልዮን ብር ብምሓዝ ክልተ ብሎክ መምሃሪ ክፍሊ፣ ሓደ ብሎክ ቤተንባብ፣ ሰለስተ ክፍሊ ዓይነ ምድሪ፣ ምስ ምሉእ ወናብሩን ሰሪሕኻ ንምርካብ ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ዛጊድ 90 ሚኢታዊ ህንፀቱ  ተጠቓሊሉ ኣብ 2009 ዓ/ም ናብ ረብሓ ከም ዝውዕል ኢንጅነር ዝገለፁ ታደለ ግርማይ እዘን ተሃኒፀን ይህነፃ ዘለዋን ኣብያተ ትምህርቲ መጠን ዝህብኦ ኣገልግሎት ክዓቢ ሕብረተሰብና ኣድላይ ዘበለ ሓለዋን ክንክንን ክገብረለን ፀዊዖም::  

 

 Click Here to see more photos...

 

 

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms