Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 144

Who's Online

We have 127 guests and no members online

ፕሮጀክት ማሕበረሰብ ተኮር ምዕባይ ክእለት ምንባብን ምፅሓፍን ብገንዘባዊ ሓገዝ የኤስኣድ፣ ህፃናት ኣድሕንን ማሕበር ልምዓት ትግራይን ኣቢሉ ኣብ ትግራይና ኣብ 10 ወረዳታት 336 ኣብያተ ትምህርቲ ግብራዊ ንምግባር ብ 2014 ኣቖፃፅራ ኣውሮፓውያን ዝተፈለመ ፕሮጀክት እዩ::

ኣብዚ እዋን ኣብ 4 ወረዳታት ኣብ 112 ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ተግራባዊ ይኸውን ዘሎ ፕሮጀክት ማሕበረሰብ ተኮር ምዕባይ ክእለት ምንባብን ምፅሓፍን ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 2016 ዓ/ም ኣብ ዝተነፀራ 336 ኣብያተ ትምህርቲ ብምሉእነት ንምጅማር ንፍቓደኛታት ንባብ ዝኾኑ ወገናት፣ ሱፐርቫዘራት፣ ኣመራርሓ ትምህርቲ ፣ ቦትስ ፣ ወመሕ፣ መምህራን ልሳን ኣደን ምክትል ርእሰ መምህራን ስልጠና ከም ዝውሃብ ኣብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ መተሓባበሪ ፕሮጀክት ማሕበረሰብ ተኮር  ምዕባይ ክእለት ምንባብን ምፅሓፍን ኣይተ ኣማረ ገብረእዚኣብሄር ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ወረዳ ጣንቛ ኣበርገለ ናቑጣ ንባብ ቤት ትምህርቲ ሰለ መስከረም 2016 ኣብ ዝተኸበረ ዓለምለኽ መዓልቲ ምንባብን ምፅሓፍን::  

ኣብቲ ዕለት ህፃናትን ተምሃሮን ጣብያን ምሉእ ቐዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርትን ሰለን፣ ወለዲ፣ መምህራን፣ ርእሰ መምህራንን ኣመራርሓን ዝተረኸቡ ኮይኖም ሕብረተሰብ ክእለት ምንባብን ምፅሓፍን ተምሃሮ ብምዕባይ ኣብ ፅፈት ትምህርቲ ዝለዓለ ዝላ ብምምፃእ ሃገር ተረካቢ ወለዶ ንምፍጣር እጃም ንኸበርክት ብምዕላም ዘንብብ ይዕንብብ! ፣ ብሉፅ መራሒ ካብ ብሉፅ መንበቢ ይፈሪ! ፣ ምዕባይ ክእለት ምንባብን ምፅሓፍን ንፅፈት ትምህርቲ ወሳኒ እዩ! ዝብሉን ካልኦት ንምዕባይ ክእለት ምንባብን ምፅሓፍን ዘተባብዑ ጭርሖታት ብምስማዕ ጎደናታት ዕሸል ከተማ ስለ ድሕሪ ምዝዋር ኣብ ተምሃሮ ዘሎ ፀገም ክእለት ምንባብን ምፅሓፍን ኣብ ምቕራፍ ክውሰዱ ዝግብኦም ምፍትሕታት ንምንዳይ ዝዓለመ ዘተ ምስ ማሕበረሰብ ቤት ትምህርትን ጣብያ ብምክያድ ክብዓል ክኢሉ እዩ::  

ነበርቲ፣ ኣመራርሓ፣ ኣባላት ቦትስን ወመሕን ጣብያ ሰለ ብወገኖም ክእለት ምንባብን ምፅሓፍን ንምዕባይ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ብምትሕብባር ፕሮጀክት ተቐሪፁ ኣብ ናቑጣ ንባብ ቤት ትምህርቲ ሰለ ይስርሑ ዘለው ስራሕቲ ዓቕሚ ምንባብን ምፅሓፍን ተምሃሮን ካልኦት ክፋላት ማሕበረሰብን ክዓቢ እወንታዊ ኣበርክቶ ኣለዎ ኢሎም:: 

መተሓባበሪ ፕሮጀክት ማሕበረሰብ ተኮር ምዕባይ ክእለት ምንባብን ምፅሓፍን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ኣማረ ገብረእዚኣሄር ኣብ መዛዘሚ እቲ ብዓል ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ መንግስቲ ኣብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዘሎ ፀገም ምንባብን ምፅሓፍን ንምቕራፍ ዓሊሙ እንትንቀሳቐስ ውላድ ህዝቢ ትግራይ ዝኾነት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምስ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ብምትሕብባር ሰፋሕቲ ስራሕቲ እናሰርሐት ዘላ ኮይና እዚ ስራሕ ዝዕወት ወለዲ ውላዶም ዝተምሃሩዎ ዕለታዊ ትምህርቲ ኣበይ ብርኪ በፂሑ ከም ዘሎ ግቡእ ክትትል ብምግባርን ንባዕሎም 'ውን ብምብቃዕን ኣቢሉ እንተተፈፂሙ ዝያዳ ውፅኢታዊ ዝገብር ስለዝኾነ ደገፍ ማሕበረሰብ ወሳኒ ኮይኑ እቲ ፕሮጀክት 'ውን ተጠናኺሩ ክቅፅል እዩ ኢሎም::          

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms