Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 163

Who's Online

We have 115 guests and no members online

ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ኣብ ትምህርቲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ትኹረት ሂቡ ይሰርሕ ኣሎ

ንፈተና ካብ ዝቐረቡ 122 ተምሃሮ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ እቶም 94 ምሉእ ኣርባዕተ ነጥቢ ረኺቦም

 

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ድኽነትን ድሕረትን ካብ ሃገርናን ክልልናን ዝጠፍእ፤ መፃኢ ዕድል ህዝቢ ትግራይ ኣብ ድልዱል ሰረት ዝነብርን ዝተምሃረ ሓይሊ ሰብ ብፅፈትን በዝሕን እንትፈሪ እዩ ዝብል እምነት ሒዛ ኣብ ትግራይ ካብ ዝሃፀቶም ኣብያተ ትምህርቲ ሓደ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቲ ቓላሚኖ እዩ::

ከም መብርሂ ርእሰ ምምምህር ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ መምህር ገብረመድህን ኣብርሃ፤ ኣብ ክልላዊ ፈተና ሻምናይ ክፍሊ ዝለዓለ ውፅኢት ዘምፅኡ ተምሃሮ ንመእተዊ ብዝውሃብ ፍሉይ ፈተና ተመልሚሎም ዝኣትውዎ እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብቶም ዝሓለፉ 15 ዓመታት 1014 ደቂ ተባዕትዮ 644 ደቂ ኣንስትዮ ብሓፈሻ 1658 ዝኣኽሉ ተምሃሮ ብምምሃር ኣብ ልምዓት ሃገሮም ቑልፉ እጃም ከበርክቱ ዝገበረ ትካል ምዃኑ ሓቢሮም::  

ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ዝነበሩ ጥንኩር ጎንታት ብምዕቃብ እዚ ቤት ትምህርቲ ንክልልናን ሃገርናን መርኣያ ብምዃን ኣብ ብርኪ ዓለም ተወዳደርቲ ዝኾኑ ዜጋታት ንምፍራይ ብምዕላም ኣብ ትምህርቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ዝልዓለ ትኹረት ብምሃብ ይስራሕ ብምህላው ውፅኢታውያን ተምሃሮ ነፍሪ ኣለና ኢሎም እቶም ርእሰ ምምህር ንመራኸብቲ ሓፋሽ ክልልና ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ::

 ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝተፈተኑ 89 ተምሃሮ እቶም 74 ዝተፈተኑዎም 10 ዓይነታት ትምህርቲ እቶም 10  ዓይነታት ትምህርቲ (A) ከምኡ'ውን 12 ተምሃሮ ሓደ ዓይነት ትምህርቲ (B) ብምምፃእ 4 ነጥቢ ረኺቦም ምንባሮም ብምዝኽኻር እዚ ውፅኢት ተዓቂቡ ክኸይድ ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ሎሚ ዓመት ካስራ ክፍሊ ካብ ዝተፈተኑ 122 ተምሃሮ እቶም 77 ተምሃሮ ዓሰርቲኦም ዓይነታት ትምህርቲ ኤ(A) እቶም 26 ተምሃሮ ድማ ሓደ ቢ (B) ብምምፃእ ምሉእ 4 ሒዞም ናብ መሰናድኦ ትምህርቲ ከም ዝሓለፉ ብምርዳእ ብሓፈሻ 122 ተምሃሮ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ናብ መሰናድኦ ትምህርቲ ዘእቱ ውፅኢት ከም ዝረኸቡ ኣብሪሆም::    

ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ  ገንዘብ እናኽፈለ ዘምህር ዘይኮነስ ካብ መላእ ትግራይ ፀብለልታ ዘለዎም ተጋሩ ተምሃሮ ብውድድር ስዒሮም ዝኣትዎዎ ምዃኑ ህዝቢ ግቡእ ግንዛበ ክህልዎ ይግባእ ዝበሉ ርእሰ መምህር መምህር ገብረመድህን፤ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ንዝህቦ ፈተና ንምፍታን ዘኽእሎምን ልዕሊ 80 ፐርሰንታይል ውፅኢቶም ዝረኸቡን 930 ተምሃሮ ዕለት 5 መስከረም 2009 ዓ/ም ምዝገባ ተኻይዱ ዕለት 6 መስከረም ኣብቶም ዝተመዝገብሎም ናቑጣታት ፈተና ክውሃብ እዩ ኢሎም::

ብመሰረት እዙይ ይብሉ መምህር ገ/መድህን ንነበርቲ ዞባ ምዕራብ ዝኾኑ ተምሃሮ ኣብ ከተማ ሑመራ ሰቲት ሑመራ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ፣ ንዞባ ሰሜን ምዕራብ ኣብ ከተማ ሽረካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ፀሃየ ፣ ንማእኸላይ ዞባ ኣብ  ከተማ ኣክሱም ኣብርሃወኣፅብሃ ቀዳማይ ብርኪ፣ ዞባ ምብራቕ ኣብ ከተማ ዓድግራት ኣግኣዚ ቐዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ፣ ንነበርቲ ዞባ ደቡብ ዝኾኑ ተምሃሮ ኣብ ከተማ ማይጨው ጥላሁን ይግዛው ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ከምኡ'ውን ንነበርቲ ዞባ ደቡብ ምብራቕን መቐለን ዝኾኑ ተምሃሮ ድማ ኣብ ከተማ መቐለ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሃፀይ ዮሃንስ ከምዝውሃብ ኣረዲኦም::

 ፍሉይካልአይብርኪቤትትምህርቲቃላሚኖ2009 / 150 ተምሃሮካብመላእትግራይ 10 ተምሃሮ ድማ ካብማእኸልሃገርአወዳዲሩክቕበል እዩ ዝበሉ እቶም ርእሰ ምምህር እቲ ቤት ትምህርቲ መጠን ቅበላ እቲ ቤት ትምህርቲ ንምስፋሕን ዝውሃብ ትምህርቲ ፅፈቱ ዝሓለወን ንክኸውን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብ25 ሚልዮን ብር 27 መምሃሪ ክፍልታት ከምኡ'ወን ብ 15 ሚልዮን ብር ምምሕዳራዊ ክፍልታትን መመገቢ ተምሃሮን ብሓፈሻ ብ40 ሚልዮን ብር በጀት ስራሕቲ  ምስፍሕፋሕ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ንምክያድ ስራሕቲ ኮንስትራክሽን ከም ዝተጀመረ ንጋዜጠኛታት ትግራይ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ተዛሪቦም::     

 

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms