Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 160

Who's Online

We have 15 guests and no members online

 

ሚስተር ማርክ ገልፋንድ ትውልደ አሜሪካዊ  `ዮም:: ኣብ ጎኒ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብምስላፍ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ምህናፅን ምጥንኻር ማእኸላት ሳይነስ፣ ቴክኖሎጂ፣ ኢንጅነሪንግን ሒሳብን (STEM) ኣድሂቦም ብምስራሕ ሰናይ ተግባሮም ኣብ ምፍፃም ዝርከቡ `ዮም::

እዞም ገባሪ ሰናይ ብብርኪ ሃገር 13 ማእኸላት ሳይነስ፣ ቴክኖሎጂ፣ ኢንጅነሪንግን ሒሳብን (STEM) ከምኡ’ውን ኣብ ዩኒቨርሲቲታት መቐለ፣ ኣክሱምን ባህርዳርን ኣብ እዋን ክራማት ተሓርዮም ኣብተን ዩኒቨርሲቲታት ዝምሃሩ 20 ሽሕ ተምሃሮ ኢትዮዽያ ኩሎም ዓይነታትን ቀረባትን ናውቲ ትምህርት ተማሊኡ ዝምሃሩሉ ዕድል ብምፍጣር ፅፈት ትምህርቲ ክረጋገፅ መሃዛይ ወለዶ ክፍጠርን ብርኪ ኮይኖም ይነጥፉ ኣለው።

ሚስተር ማክር ኣብ ክልልና ኣርባዕተ መሰናድኦ ኣብያተ ትምህርቲ ከምኡ’ውን ምሉእ ናውቲ ዘለዎ 29 ቨርቹዋል ኮምፑተር ማእኸል እንተጣይሹ ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ኣክሱምን መቐለን ሳይነስ ሙዝየም ንምጥያሽ ዓሊሞም ይንቀሳቐሱሉ ኣብ ዘለው እዋን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ሽልማት የቐንየልና ሂባቶም ኣላ::   

  ሚስተር ማርክ ገልፋንድ ሽልማት የቐንየልና ዝተውሃቦም ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ኣባይ ወልዱ ሓዊሱ ካቢኔ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ኣብ ዝተረኸብሉ እዩ።

 ኣብቲ ዕለት ዝተረኸቡ ፈፃሚ ዳሬክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዶክተር ታደለ ሓጎስ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ናይ ክብሪ ዶክተር ሚስተር ማርክ ገልፋንድ ስሉጥ ዝኾነ ልምዓት ሓንቲ ሃገር ዝረጋገፅ ዝተምሃረ ሓይሊ ሰብ ብምፍጣር እዩ ዝብል እምነት ብምሓዝ ሰናይ ተግባሮም ኣብ ዘፈር ትምህርቲ ብምውዓል ኣብ ሃገርናን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካን ኣብ ዝሃነፁወን አብያተ ትምህርትን ማእኸላት ሳይነስን ቴክኖሎጅን ህዝብታት ኢትዮዽያ፣ ኬንያ፣ ሩዋንዳ፣ ደቡብ ሱዳንን ተረባሕቲ ዝኾኑሉ ዕድል ከም ዝፈጠሩ ኣረዲኦም።

ማርክ ገልፋንድ ብወገኖም፣ ብሞያ ኢንጅነር ከም ዝኾኑ ብምሕባር እቲ ሞያ ብምስፋሕ ዜጋታት ኣብ ሳይነስን ቴክኖሎጅን ክነጥፉን በዚ ኣቢሎም ፈለማ ንባዕሎም ንሃገሮምን ኢሉ’ውን ንዓለም ዝረብሕሉ ባይታ ንምፍጣር ዓሊሞም ይንቀሳቐሱ ከም ዘለው ንካቢኔ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝገለፁ እንትኾኑ ኣብ ፃንሒቶም ማእኸል ሳይነስ፣ ቴክኖሎጂ፣ ኢንጅነሪንግን ሒሳብን (STEM) ቃላሚኖን ስራሕቲ ማእኸል ኢንቨስትመንት ቃላሚኖን ዑደት ገይሮም።

ገባሪ ሰናይ ሚስተር ማርክ ገልፋንድ ንህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኢትዮጵያን ንዝፈፀሙሎም ሰናይ ተግባር ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ተምሃሮኡ ኣብ ዘመርቐሉ ዕለት ናይ ክብሪ ዶክትሬት ከም ዝሃቦም ይዝከር።  

 Click here to see more photos...

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms