Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 157

Who's Online

We have 45 guests and no members online

 ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምስ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ክላስተር ኣዲስ ኣበባን ምምሕዳር ወረዳ ሓውዜንን ብምትሕብባር ኣብ ወረዳ ሓውዜን ብ12.6 ሚልዮን ብር ወፃኢ ንዝህነፅ ማእኸል ሳይንስን ቴክኖሎጂን ሰንበት 12 ሰነ 2008 ዓ/ም እምነ ሰረት ተቐሚጡ።

ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ትልሚ፣ ክትትልን ኮሙዩኒኬሽንን ኣይተ ሰለሞን ሕሉፍ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምቕማጥ እምነ ሰረት ከምዝሓበርዎ እቲ ሎሚ ዘበን ንመበል 28 ዓመት ዝኽበር ዘሎ መዓልቲ ሰማእታት ትግራይ 15 ሰነ ተኣሳሲሩ ማእኸል ሳይንስን ቴክኖሎጂን ንምህናፅ ዝተቐመጠ እምነ ሰረት ክልተ መምሃሪ ክፍሊ ህንፃታት፣ ሓደ ንግልጋሎት ምምሕዳር ዝውዕል ህንፃ፣ ሽቓቕ፣ ቤተ ፈተነታትን ቤተንባብን ዘካተተ ኮይኑ ኣጠቓላሊ ከይዲ ህንፀቱ ኣብ ውሽጢ 18 ኣዋርሕ ከምዝጠቓለል ተዛሪቦም።

 ኣብ ከተማ ሓውዜን ዝህነፅ ማእኸል ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣካል እተን ኣብ ቐፃሊ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለያ ከባብታት ትግራይ ብማ.ል.ት ዝህነፃ ማእኸላት ሳይንስን ቴክኖሎጂን እንትኸውን ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ 3,194,022 ብር፣ ማ.ል.ት ክላስተር ኣዲስ ኣበባ 8,000,000 ብር ከምኡድማ ምምሕዳር ወረዳ ሓውዜን 1,500,000 ብር ብምውፃእ ብድምሩ ብ12,694,022 ብር ከምዝህነፅ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ክላስተር ኣዲስ ኣበባ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይን ካልኦት ደገፍትን ብምልዕዓልን ቅድሚ ሕዚ’ውን ኣብ 12 ወረዳታት ትግራይ ዝነበራ 15 ዳስ ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ህንፃ ብምቕያር ኣብ ፅሬትን ተበፃሓይነትን ትምህርቲ ናይ ባዕላ እጃም ከም ዘበርከተት ዝገለፁ ኣብቲ ዕለት ዝተረኸቡ ተወካሊ ማ.ል.ት ክላስተር  ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ሓረጐት  ኣለሙ      ብወገኖም  ሕዚድማ ተምሃሮ ትግራይ ብቴክኖሎጂ ተሓጊዞም ተመራመርትን ፈጠርትን ንክኾኑ ዓሊሙ ንዝህነፅ ማእኸል ሳይንስን ቴክኖሎጂን ንምድጋፍ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከባ ኩለን ጨንፈራት ማ.ል.ት ንኣባላተንን ደገፍተንን ብምልዕዓል ዛጊድ 50 ሚእታዊ ዝኸውን ገንዘብ ኣታዊ ከምዝተገበረ ወሲኾም ኣብሪሆም።

Click here to see more photos...

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms