Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 165

Who's Online

We have 41 guests and no members online

 

 

 

 ካብ ዞባታት ምብራቕን ደቡብ ምብራቕን ትግራይ ዝተወከሉ መርኣያ/ሞዴል/ ሓረስቶትን ሰብ ሞያ ሕርሻን ከምኡ እውን ካብ ዩኒቨርሲቲ መቐለን ካብ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ክልል ትግራይ ዝተውፃፅኡ ልዕሊ 120 ተሳተፍቲ ኣብ ማእኸል ኢንቨስትመንት ቃላሚኖ ብምትሕብባር ማሕበር ልምዓት ትግራይን ዶብ ኣልቦ ኢንጂነራት ኢስራኤልን ብዘመናዊ ጠብጠብታ መስኖ  ዝለምዕ ዘሎ ኣሕምልቲ ፡ ፍረምረን ኣቮካዶን ዑደትን ተሞክሮ ልውውጥን ኣካይዶም፡፡

መካየዲ ስራሕ ማእኸል ኢንቨስትመንት ቃላሚኖ ዶክተር በሪሁ ኪዳኑ እዚ ፕሮጀክት ብ 2007 ዓ/ም ኣብ ፍርቂ ሄክታር መሬት ዝተጀመረ ኮይኑ ኣብዚ ሕዚ እዋን ከባቢ 6000 ሜትር ኪዩቢክ ማይ ናይ ምዕቋር ዓቅሚ ብዘለዎ መጠራቀሚ ማይን 75 ሜትር ኪዩብክ ማይ ናይ ምስሓብ ብቅዓት ብዘለዎ ሞተርን እናተሓገዘ 10.5 ሄክታር መሬት ብዘመናዊ ጠብጠብታ መስኖ  ይለምዕ ምህላው ኣብሪሆም ፡፡

ኣብ ማእኸል ኢንቨስትመንት ቃላሚኖ ብዝካየድ ዘሎ ዘመናዊ ሕርሻ ዛጊድ ን 35 ወገናት ብቀዋሚ ን 60 ወገናት ድማ ብማእኸላይ ኣብ መዓልቲ ግዝያዊ  ዕድል ስራሕ ከም ዝተፈጠረሎም ዝሓበሩ ዶክተር በሪሁ ኪዳኑ ቀፃላይ ዕላማ እዚ ፕሮጀክት ኣብ ሕብረተሰብ ዘመናዊ ሕርሻ ምትእትታው፡ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብተግባር ከይዲ ምርምር ዘካይዳሉን ዝኮነ ኣካል መፂኡ ተግባራዊ ትምህርቲ ዝመሃረሉን ማእከል ከም ዝከውን ወሲኮም ተዛሪቦም፡፡ እቶም ተሳተፍቲ ብኣካል ተዘዋዊሮም ድሕሪ ምዕዛብ ዝረኸብዎ ትምህርቲ ናብ በቢ ከባቢኦም ተመሊሶም ከምዝትግብርዎ ገሊፆም፡፡

 

Click here to see more photos...

 

 

 

 

 

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms