Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 144

Who's Online

We have 94 guests and no members online

 

 

 

 ፉሉይ 2 ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ምስ ሚስተር ማርከ ገልፋንድ ዝተብሃለ ትካል ገባሪ ሰናይ ብምትሕብባር ካብ ዝሓለፈ ክረምቲ ጀሚሩ ኣብ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂ፣ ኢንጂነሪንግን ሒሳብን ጠመተ ብምግባር ከካይዶ ዝፀንሐ ተግባር መሰረት ዝገበረ ምርምርን ናይ ፈጠራ ስራሕትን 05 ሰነ 2008 ዓ/ም ኣብ ቐፅሪ እቲ ቤት ትምህርቲ ንምርኢት ቐሪቦም።

ርእሰ መምህር ፉሉይ 2 ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ መምህር ገብረመድህን ኣብርሃ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምርኢት ኤግዝብሽን ተረኺቦም ከምዝበልዎ እቶም ንምርኢት ኤግዝብሽን ዝቐረቡ ስራሕቲ ፈጠራን ምርምርን ኣብ መቐለን ከባቢኣን ብዝርከቡ ተምሃሮን ኣብ ውሽጢ ቓላሚኖ ብዝመሃሩ ተምሃሮን ዝተሰርሑ ከምዝኾኑ ድሕሪ ምሕባር ኣብ ትሕቲ ዩኒቨርስቲ መቐለ ብዝርከብ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ መቐለ ዘድሊ ድጋፍን ክትትልን እናተገበረ ድሕሪ ምፅናሕ ልዕሊ 100 ካብ ዝነበሩ ስራሕቲ እቶም 28 ፕሮጀክታት ዘድሊ ሳይንሳዊ መዐቀኒ ብምምላእ ናብቲ ምርኢት ከምዝቐረቡ ተዛሪቦም።

      ፉሉይ 2 ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ንዓመታት ኣብ ህዝብና ሱር ሰዲዱ ዝፀንሐ ድኽነትን ድሕረትን ንምጥፋእ ዓሊሙ ብ1990 ዓ/ም ብማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝተጣየሸ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ርእሰ መምህር ዛጊድ 644 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም ን1,658 ተምሃሮ ነፃ ዕድል ትምህርቲ ከምዝሃበ ወሲኾም ኣብሪሆም።

ፉሉይ 2 ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ኣብ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ጠመተ ገይሩ እናሰርሐ ብምምፅኡ ኣብ ክልልና ኢሉ’ውን ሃገርና ዝነበረ ሕፅረት ዝተምሃረ ሓይሊ ሰብ ኣብ ምቅላል ናይ ባዕሉ ግደ እናተፃወተ ይርከብ። ካብ ዝጣየሽ ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ድማ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ክሳብ 12 ክፍሊ ዛዚሞም ናብ ዝተፈላለያ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝኣተው 355 ደቂ ኣንስትዮ ሓዊሱ 1,077 ተምሃሮ  ከምዘለው ንምፍላጥ ተኻኢሉ’ዩ።

ምስቲ ምርኢት ኤግዝብሽን ጎና ጎኒ ንኣስታት ኣርባዕተ ዓመታት ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ክመሃሩ ንዝፀንሑ ተፈተንቲ 12 ክፍሊ ተምሃሮ ስነ-ስርዓት ምረቓን ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመታት ብዘርኣይዎ ፀብለልታን መተባብዒ ሽልማት ተዋሂብዎም’ዩ።

ኣብ  ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ትልሚ፣ ክትትልን ኮሙዩኒኬሽንን ኣይተ ሰለሞን ሕሉፍ ብወገኖም ማ.ል.ት ኣብ ቓላሚኖ ጥራሕ ከይኮነስ ኣብ መላእ ከባቢታት ትግራይ ማእኸላት ሳይንስን ቴክኖሎጂን ንምህናፅ ኣብ ምንቅስቓስ ከምዘላ ድሕሪ ምግላፅ ብፍላይ 12 ክፍሊ ተምሃሮ ብምኽንያት ብደረጃ ሃገር ዘጋጠመ ናይ ፈተና ምስራቕ ከይተደናገፁ ኣብተን ተሪፈን ዘለዋ ውሑዳት መዓልቲታት ጠንኪሮም ብምፅናዕ ዝሓሸ ውፅኢት ከመዝግቡ ከምዝግባእ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምርኢት ኤግዝብሽንን ምረቓ 12 ክፍሊ ተምሃሮን ብርክት ዝበሉ ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተምሃሮን መምህራንን እቲ ቤት ትምህርቲ ተሳተፍቲ ኮይኖም እዮም።

 

 Click here to see more photos...

 

 

 

 

 

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms