Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 168

Who's Online

We have 38 guests and no members online

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ከባቢ ዓዲ ጎሹ ምግላብ ፈረስ ኣብ ዝተበሃለ ቦታ ብማሕበር ልምዓት ትግራይ፣ ብምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋን ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ብዝነብሩ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ብ6 ሚልዮን ብር ወፃኢ ዝተሃነፀ ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ምግላብ ፈረስ ሰንበት 07 ጉንበት 2008 ዓ/ም ተመሪቑ ንነበርቲ እቲ ከባቢ ተረኪቡ።

ምክትል ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣይተ ተኪኡ ምትኩ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ተረኺቦም ከምዝበልዎ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ፀገም መምሃሪ ክፍልታት ኣብ ምቅላልን ኣብ ምርግጋፅ ፅሬት ትምህርትን ትሰርሖም ዘላ ስራሕቲ ብምንኣድ ፍረ 20 ጉንበት ዝኾነ ብምትሕብባር ማ.ል.ትን ምምሕዳር ድሬዳዋ ንዝተሰርሐ ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ንፅባሕ ተረከብቲ ሃገር ዝኾኑ ህፃናት ኣብ ምፍራይን ድኽነትን ድሕረትን ክቕረፍ ኣብ ምግባርን ናይ ባዕሉ  ግደ ከምዘለዎ ሓቢሮም።

ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዶክተር ታደለ ሓጐስ ብወገኖም ንዑዱማት ኣጋይሽን ነበርቲ ከባቢ ምግላብ ፈረስን ዓዲ ጐሹን እንኳዕ ድሓን መፃእኹም ድሕሪ ምባል እዚ ኣብ ዱሮ ምኽባር መበል 25 ዓመት በዓል ዓወት 20 ጉንበት ዝምረቕ ዘሎ ቤት ትምህርቲ ምግላብ ፈረስ ውፅኢት 20 ጉንበት ዝኾነ ሕገ-መንግስትና ዘረጋገፀልና ሓቢርካ ናይ ምንባርን ባህሊ ምክእኣልን መርኣይ ከምዝኾነ ተናጊሮም። እቲ ቤት ትምህርቲ ዝተማልኣ መምሃሪ ክፍልታት፣ ቤተ ፈተነ፣ ንክልቲኡ ፆታ ዘማእኸለ መናፀህን    ቤተ ንባብን ምምሕዳራዊ ክፍልታትን ዘማልአ ምዃኑ ዝሓበሩ ፈፃሚ ዳይሬክተር ማ.ል.ት ዶክተር ታደለ ሓጐስ ራሕቒ ቦታ ከይወሰኖም ዝለዓለ ገንዘብ ብምውፃእ ዳስ ንዝነበረ ቤት ትምህርቲ ናብዚ ንዘብቅዕዎ ንምምሕዳር ከተማ ድሬድዋ፣ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ድሬድዋን ብሄር ብሄር ሰባትን ህዝብታት ኢትዮጵያን ዘለዎም ናእዳ  ገሊፆም።

ነባርቶም ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ዝገበሩን ሰብ ዋና ኮይኖም ነቲ ቤት ትምህርቲ ዘስረሑን ተወከልቲ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ደቡብ፣ ኣምሓራ፣ ኦሮሚያ፣ ሃረሬን ሶማሌን እቲ ዘስረሕዎ ቤት ትምህርቲ ፅሬት ትምህርቲ ካብ ምርግጋፅ ብዝዘለለ ኣብ ሞንጐ ህዝብታት ኢትዮጵያ ስጡም ርክብ ንምፍጣር ከምዝሕግዝ ብምሕባር ንቐፃሊ’ውን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ እተውርደሎም መደባት ብንቕሓት ከምዝሳተፉ ተዛሪቦም።  

 

 Click here to see more pictures...

 

 

 

 

 

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms