Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 160

Who's Online

We have 42 guests and no members online

 

 

 

ኣብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ትልሚ፣ ክትትልን ኮሙኒኬሽንን ኣይተ ሰለሞን ሕሉፍ ነቶም ተሳተፍቲ ኣብ ዝሃብዎ ሓፈሻዊ መግለፂ ከምዝበልዎ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ንምፍታሕ ዓሊማ ብውሑዳትን ጉዱሳትን ተጋሩ ብ1981 ዓ/ም ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ከተማ ዋሽንግተን ዝተጣየሸት ማሕበር ምዃና ድሕሪ ምሕባር ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ 1.3 ሚልዮን ኣባላት ከምዘለውዋ ገሊፆም።

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ካብ ኣባላታን ድጋፍ ወሃብቲ ትካላትን ብዝተረኸበ ሓገዝ ኣብ ምርግጋፅ ፅሬት ትምህርቲ፣ ምቕናስ ስእነት ስራሕን ዕብየት ስፖርትን ጠመተ ገይራ ትሰርሕ ከምዘላ ዝገለፁ እቶም ዳይሬክተር ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ካብ ዓለምለኸ ተራድኦ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ (USAID) ብዝተረኸበ ገንዘባዊ ሓገዝ ኣብ 20 ወረዳታት ዝርከባ 337 ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ “ምምሕያሽ ክእለት ንባብ ብቑልዕነት” ዝብል ፕሮጀክት ብምሕንፃፅ 122,303 ተምሃሮ ተረባሕቲ ይኾኑ ከምዘለው ወሲኾም ሓቢሮም።

ድሕሪ እቲ ዝተውሃበ ኣጠቓላሊ መግለፂ እቶም ዑደተኛታት ኣብ ኣወዳድባ፣ ግደ ኣባላት ቦርድ ማ.ል.ት ኣብ ምዕዋት መደባትን ዘጋጥሙ ዝነበሩ ፀገማትን ኣመልኪቶም ብርክት ዝብሉ ሕቶታት ዘቕረቡ እንትኾኑ ብዝምልከቶም ሓለፍቲ ስራሕ ሰፊሕ መብርሂ ተዋሂብዎም’ዩ።

እቶም ኣባላት ማሕበራት ልምዓት ክልትኤን ክልላት ኣብ ወረዳ ስሓርቲ ሳምረ ጣብያ ደንጎላት ብልዕሊ 26 ሚልዮን ብር ወፃኢ ኣብ ዝተሃነፀ 2 ብርኪ ቤት ትምህርቲ ደንጎላትን ኣብ ፍሉይ 2 ብርኪ ትምህርቲ ቓላሚኖ ዘሎ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃርን ኣብ ልዕሊ 10 ሄክታር መሬት ብዘበናዊ መስኖ ንምልማዕ ዝግበር ዘሎ ናይ ሕርሻ ምንቅስቓስን ብኣካል ተዘዋዊሮም ዝተዓዘቡ እንትኾኑ ካብዚ ዝረኸብዎ ቁምነገር ናብ ክልሎም እንትምለሱ ኣብ በቢልምዓት ማሕበሮም ተግባራዊ ንምግባር ከምዝተዳለው ገሊፆም። እቲ ካብ 01 ክሳብ 02 ጉንበት 2008 ዓ/ም ንክልተ መዓልቲ ዝተኻየደ ተሞክሮ ልውውጥ ንፈለማ እዋን ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ተሳተፍቲ ዝሓሸ ስራሕ ንምስራሕ ግና ቐፃልነት ብዘለዎ መንገዲ ከምዝካየድ ወሲኾም ሓቢሮም። 

 

Click here to see more photos...

 

 

 

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms