Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 168

Who's Online

We have 22 guests and no members online

ማሕበር ልምዓት ትግራይ በቢከባቢኡ ተሳልጦም ንዘላ ስራሕቲ ልምዓት መጠናኸሪ ሓገዝ ዝኸውን ገንዘብ ዘወፈየት ዕለት 14 ማዝያ 2008 ዓ/ም እዩ።
ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ ዓለምለኸ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ተረኺበን ነቲ ሓገዝ ገንዘብ ንፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንዶክተር ታደለ ሓጐስ ዘረከባ ኣባል ኣመራርሓን ተሓዚት ገንዘብን ውዳበ ማ.ል.ት ጨንፈር ኩዌት ወ/ሮ ህይወት ወልደገብርኤል እየን።
ብስም ኣባላትን ደገፍትን ውዳበ ማ.ል.ት ጨንፈር ኩዌት ውሑዳት ካብ ዝኾኑ ኣባላት ዝተውፃፅአ ገንዘብ፣ ኣባላትና ንሕና’ውን ዓቕምና ብዝፈቐዶ ኣብ ልምዓት ዓድና ክነሳተፍ ግድነትና’ዩ ኢሎም ዘዋህለልዎ ምዃኑ ዝጠቐሳ ወ/ሮ ህይወት ወ/ገብርኤል፣ ንቕድሚት ኣብ ጎኒ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብምስላፍ ደገፍና ኣጠናኺርና ክንቅፅለሉ ኢና ክብላ ቃል ኣትየን።
ነቲ ልዕሊ ሓደ ሚኢት ሽሕ ብር ዝግመት ሓገዝ ገንዘብ ዝተረከቡ ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዶክተር ታደለ ሓጐስ ንኣባላትን ደገፍትን ማ.ል.ት ጨንፈር ኩዌት ብምምስጋን ማ.ል.ት ማሕበረ ቁጠባዊ ረብሓ ዘለዎም ዝተፈላለዩ ልምዓታዊ ምንቅስቓሳት ትገብር ምህላዋ፣ ብኣባላታትን ደገፍታን ዝግበረላ ኩሉመዳይ ሓገዝ ልምዓት ትግራይ ኣብ ምቅልጣፍ ልዑል ኣበርክቶ ከምዘለዎ ድሕሪ ምግላፅ፣ እቲ ዝተረኸበ ሓገዝ ገንዘብ ቤተ መፃሕፍቲ ፉሉይ ካልኣይ ብርኪ ቃላሚኖ ንምጥንኻር ከምዝውዕል ሓቢሮም።”

Click here to see more photos...

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms