Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 145

Who's Online

We have 10 guests and no members online

 

 

 

እቲ ኣብ ማእኸል ኢንቨስትመንት ቃላሚኖ ዝተሃነፀ ሓዱሽ ቴክኖሎጂ ዕለት 29 መጋቢት 2008 ዓ/ም ኣብ ቃላሚኖ ተረኺቦም ዝመረቑዎ፣ ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኢትዬጵያ ወይዘሮ በላይነሽ ዘቫድያ፣ ኣቦ መንበር ቦርድ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዶክተር ክንደያ ገ/ህይወትን ፈፃሚ ዳይሬክተር ማ.ል.ት ዶክተር ታደለ ሓጐስን ‘ዬም።
ኣብቲ እዋን ኣብ ምንቅስቓስ ጠብጠብታ መስኖ ኣመልኪቱ ኣብ ቀፅሪ ማእኸል ኢንቨስትመንት ቃላሚኖን ኣብ ሞዴል ገባራትን ዑደት ብምክያድ፣ ሓፂር ፀብፃብ ምንቅስቓስ ጠብጠብታ መስኖ ብኣካያዲ ስራሕ ማእኸል ኢንቨስትመንት ቃላሚኖን ቴክኒካዊ ደገፍ ብዝገብሩ መዳርግቲ ኣካላት ሃገረ እስራኤልን ቀሪቡ ብተሳተፍቲ ተዘትዩሉ እዩ።
ኣካያዲ ስራሕ ማእኸል ኢንቨስትመንት ቃላሚኖ ዶክተር በሪሁ ኪዳኑ ኣብዘስምዑዎ መደረ “እዚ ኣብ ከባቢና ብዓይነቱን ኣጠቓቕምኡን ፈላሚ ዝኾነን ብልዑል ድፍኢት ዝስርሕን ቴክኖሎጂ ጠብጠብታ መስኖ፣ ክሳብ ዓሰርተ ሄክታር መሬት ዝተፈላለዩ ኣትክልትን ፍራምረን ከልምዕ ዝኽእልን፣ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንእተሳልጦም ማሕበራውን ቁጠባውን ረብሓ ዘለዎም ፕሮጀክትታት ፍልፍል ኣታዊ ኣብ ርእሲ ምርካቡ ንመናእሰይ ገባራትን ደቂ ኣንስትዬን ልዑል ረብሓ ከምዘበርክት” ሓቢሮም።
ቓላሚኖ ብሉፃት መናእሰይ ካብ ምህናፅ ብዝዘለለ፣ ካብ ኩለን ወረዳታት ትግራይ ዝተውፃፅኡ ሞዴል ገባራት ተሞክሮ ዝስንቁለን ኣታዊኦም ዘዕብዩሉን ስሪሕኻ መርኣይ ምትእትታው ሓደ ዝላ ምዃኑ ብምሕባር፣ ህዝብን መንግስትን ሃገረ እስራኤል ይገብሩዎ ንዘለው ኩለ መዳይ ሓገዝ ብስም ማሕበር ልምዓት ትግራይን ብስም ተረባሕትን ዘመስገኑ ድማ ፈፃሚ ዳይረክተር ማ.ል.ት ዶክተር ታደለ ሓጐስ ‘ዬም።
ኣብ ኢትዬጵያ ኣምባሳደር ሃገረ እስራኤል ወ/ሮ በላይነሽ ዘቫድያ ብወገነን ኣብ ዘስምዕኦ መደረ “ወናኒት እኹል ዝናብ፣ ሰፊሕ መሬትን ዝሰርሕ ሓይሊሰብን ዝኾነት ኢትዬጵያ፣ ሃፍታ ብግቡእ እንተተጠቒማትሉ ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብ ጎኒ ምዕቡላት ሃገራት ዓለም ዘይትሰርዐሉ ምኽንያት ከምዘይህሉ ዘለወን እምነት ብምግላፅ፣ ህዝብን መንግስትን እስራኤል ዝኸኣሎ ኩሉ ንምሕጋዝ ድሉው ምዃኑን ኣብ ቃላሚኖ ይሰርሑ ብዘለው ኩለ መዳይ ስራሕቲ ምዕጋበንን” ገሊፀን።
ኣብ ሓደ እዋን ሕድ ሕዶም 1728 ፈልሲ ዝሕዙ 152 ጠረጴዛታት፣ ብሓደ ግዘ 262,656 ፈልሲ ናይ ምፍላሕ (ምፍላስ) ዓቕሚ ዘለዎ ቴክኖሎጂ ኣብ ቀፃሊ ንሓረስቶት’ቲ ከባቢ ብትሑት ዋጋ ዝተፈላለዩ ፈልስታት ኣቮካዶ፣ ማንጎ፣ ኮሚደረን ዝኣመሰሉን ከምዘቕርብ ተፈሊጡ’ሎ።

 

Click here to see more photos...

 

 

 

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms