Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 160

Who's Online

We have 168 guests and no members online

ዕለት 08 መጋቢት 2008 ዓ/ም ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ከተማ መኾኒ ብስም ሜጀር ጀነራል ሓየሎም ኣርኣያ ዝህነፅ ቤት ትምህርቲ ህንፀቱ ዘበስር እምነሰረት ዝተቐመጠ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምስ “ሲማን ቢዝነስ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር“ ብምትሕብባር ዝህነፅ እዩ።

ነቲ ካብ O ክላስ ጀሚሩ ክሳብ ሻምናይ ክፍሊ ከምህር ዝኽእል ቤት ትምህርቲ ሙሉእ ወፃኢኡ ሸፊነን ዘህንፅኦ ወይዘሮ ማህደር ገ/መድህን ብስም ትካለንን መላእ ስድርኣንን ዝተሰመዐን ልዑል ታሕጓስ ድሕሪ ምግላፅ፣ ኣብ ሓፂር እዋን ህንፀት ጀሚረን ብቕልጡፍ ኣብ ግልጋሎት ከምዘውዕልኦን፣ ብቐፃልነት ሓገዘን ኣጠናኺረን ከምዝቕፅላሉን ቃል ኣትየን።

ኣመሓዳሪ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ኣይተ ክፍሎም ብወገኖም “ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዛጊድ ኣብ ወረድኦም ትገብሮ ንዘላ መዳርግቲ ዘይርከቦ ሓገዝ ብስም ህዝብን ምምሕዳርን ወረዳ ራያ ዓዘቦ ብምግላፅ፣ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ክትጠናኸር ልዑል ጠመተ ሂቦም ከምዝንቀሳቐሱ ሓቢሮም።”

ዞባ ደቡብ ትግራይ ብሓፈሻ ብፍላይ ካኣ ወረዳ ራያ ዓዘቦ፣ መደባት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ምዕዋት ንተኸታተልቲ ዓመታት ቅድሚት እናተሰርዓ ምምፅአን ዝሓበሩ ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዶ/ር ታደለ ሓጐስ፣ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ድማ ብሉፅ ስራሕቲ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ተጠናኺሩ ምእንታን ክቕፅል ብዘይካ’ቲ ዓሚ ዝተውሃበቶ ሓደ ነጥቢ ሓሙሽተ ሚልዬን ብር ዘውፅእ ሽልማት ህንፀት ቤት ትምህርቲ፣ ሀዚ’ውን እዚ ክህነፅ እምነሰረት ዝተነበረሉ ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ብማሕበር ልምዓት ትግራይ ብመልክዕ ሽልማት ከምዝተበርከተላ ገሊፆም።

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms