Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 160

Who's Online

We have 116 guests and no members online

 ማሕበር ልምዓት ትግራይ ድኽነትን ድሕረትን ዘይብላ ትግራይ ምርኣይ ራእያ ጌራ ካብትቐውም ናብዚ፣ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ልምዓት እናዓመመት ምምፅኣን ምህላዋን ዝፍለጥ ሓቂ እዩ።

ብመሰረት’ዚ ኣብ’ዚ ሰሙን ካብ 30 ለካቲት ክሳብ 04 መጋቢት 2008 ዓ/ም ኣብ ዞባታት ማእኸልን ሰሜን ምዕራብን ትግራይ ኣብ ዝርከባ ሓሙሽተ ወረዳታት ዝሃነፀቶም ስራሕቲ ልምዓት ብምምራቕ ንሕብረተሰብና ንምርካብን፣ ሓደሽቲ ስራሕቲ ልምዓት ንምጅማርን ዘኽእላ ወፍሪ ልምዓት ኣካይዳ’ያ።

ዕለት 30 ለካቲት 2008 ዓ/ም ኣብ ወረዳታት ላዕላይ ማይጨው ኣብ ሰለስተ ጣቢያታት  (መደጎ፣ ናትካብላዕን ደብረቃልን) ከምኡውን ኣብ ታሕታይ ማይጨው ኣብ ኣርባዕተ ጣቢያታት (ሓወስታ፣ ምሬና፣ ዓዲሑፃን ቤተሰማእትን) ምስ ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይን ኤ ግሊመር ኦፍ ሆፕ ዝበሃል ገባሪ ሰናይን ብምትሕብባር፣ ንሓሙሽተ ዓመታት ናይ ዝሓዘቶ ትልሚ ዝተዋደደ ማሕበረሰባዊ ልምዓት ቀዳማይ ምዕራፍ ብከባቢ 18 ሚልዬን ብር ወፃኢ ዝተፈፀሙ ስራሕቲ፣ ፈፀምቲ ስራሕ ማሕበር ልምዓት ትግራይ፣ ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ፣ ኤ ግሊመር ኦፍ ሆፕን ኣመራርሓ ዞባን ወረዳን ኣብ ዝተረኸቡሉ ብምምራቕ ንሕብረተሰብ ኣረኪባ’ያ።

Click here to see Photos...

ዕለት 01 መጋቢት 2008 ዓ/ም ቅድሚ ቐትሪ ናብ ወረዳ ወርዒለኸ ጣቢያ ዕደጋ ሓሙስ ዝተገበረ ወፍሪ ልምዓት ድማ፣ ፀገም ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ እቲ ከባቢ ንምፍታሕ ዝዓለመ እዩ ኔሩ።

ብመሰረት’ዚ ድማ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምስ ገባሪ ሰናይ ኤ ግሊመር ኦፍ ሆፕ፣ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ህዝብን ምምሕዳር ወረዳ ወርዒ ለኸን ብምትሕብባር ብልዕሊ 9.6 ሚልዬን ብር ወፃኢ ናይ ዝህነፅ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ህንፀቱ ዘበስር እምነ ሰረት ተነቢሩ’ዩ።

Click here to see Photos...

ድሕሪ ቐትሪ ድማ ኣብ ወረዳታት ላዕላይን ታሕታይን ማይጨው፣ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ትልሚ ማሕበረሰባዊ ልምዓት ዝተፈፀሙ ስራሕቲ ልምዓት ብምዕቃብን ተሞክሮ ብምስናቕን ካልኣይ ዙር ምዕራፍ ንምጅማር ዘኽእል መድረኽ ዘተ፣ ምስ ኣመራርሓ’ተን ጣቢያታትን ማሕበረሰብን ኣብ ከተማ ኣኽሱም ኣብዝርከብ ኮንሱላር ሆቴል ብምክያድ፣ ኣመራርሓን ማሕበረሰብን እተን ከባቢታት ልምዓቶም ንምቅልጣፍ ምስዘን ገበርቲ ሰናይ ኣካላት ማይን ፀባን ኮይኖም ከምዝነጥፉ ቃል ዝኣተውሉ ዘተ ተኻይዱ’ዩ።

Click here to see Photos...

02 መጋቢት 2008 ዓ/ም ድማ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምስ ገበርቲ ሰናይ ኤ ግሊመር ኦፍ ሆፕን ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይን ብምትሕብባር ተሳልጦ ዝተዋደደ ማሕበረሰባዊ ልምዓት ኣብ ሓሙሽተ ዓመት 150 ሚልዮን ብር ዝትግበር ናይ መጀመርያ ምዕራፍ ብልዕሊ 30 ሚልዬን ብር ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ወረዳ መደባይ ዛና ንምጅማር ዘኽእላ መድረኽ ዘተ፣ ምስ ኣመራርሓ ጣቢያታት፣ ማሕበረሰብን ወረዳን ኣብ ከተማ ሰለኽለኻ ብምክያድ፣ ኣስተዋፅኦን ተሳትፎን ሕድሕድ ኣካላት እንታይ ክኸውን ከምዝግብኦ ዝተነፀረሉን ምትእምማን ዝተፈጠረሉን ዕውት መድረኽ ኣሳሊጣ’ያ።  

04 መጋቢት 2008 ዓ/ም ወፍረ ልምዓት ካብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ወረዳ መደባይ ዛና ናብ ዞባ ማእኸል ወረዳ ኣሕፈሮም ንኡስ ወረዳ ገርሁ ሰርናይ’ዩ ኔሩ።

ማሕበር ልምዓት ትግራይ፣ ምስ ማሕበር ልምዓት እገላ፣ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይን ህዝብን ምምሕዳርን ወረዳ ኣሕፈሮምን ብምትሕብባር፣ ኣብ መሰናድኦ ቤት ትምህርቲ ገርሁ ሰርናይ ብልዕሊ 7.3 ሚልዬን ብር ወፃኢ ንእተህንፆ ማእኸል ሳይንስን ቴክኖሎጂን ህንፀቱ ዘበስር እምነሰረት ኣንቢራ እያ።

Click here to see Photos...

 ልምዓት ዝተኣታተወሎምን ተጠቀምቲ ዝኾኑን ወገናትን ኣመራርሓን፣ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ትገብሮ ዘላ ኣስተዋፅኦ መዳርግቲ ከምዘይርከቦ ብምግላፅን ብምምስጋንን፣ ኣብ ጎና ተሰሊፎም ኩሉመዳይ ኣበርክቶ ከምዝገበሩ ቃል ኣትዬም ‘ዮም።

 ፈፃሚ ስራሕ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዶክተር ታደለ ሓጐስ፣ ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ ኣይተ ተኽለወይኒ ኣሰፋ፣ ካንትሪ ዳይረክተር ኤ ግሊመር ኦፍ ሆፕ ኣይተ ገ/ህይወት ኣበበ፣ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ማእኸል ትግራይ ኣይተ ሚኪኤለ ኣብርሃን ካልኦት ኣመራርሓን ድማ በቢከባቢኡ ብማሕበር ልምዓት ትግራይን መዳርግቲ ኣካላታን ዝወነኖምን ዝውንኖምን ትካላት ልምዓት ተረኪቡ ብግቡእ ክጥቀመሎም፣ ክከናኸኖምን ከመሓይሾምን ከምዝግባእ ብምትሕስሳብ፣ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንምጥንኻር በቢክእለቶም ክውፈዩ ተላብዩም። 

 

 

 

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms