Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 163

Who's Online

We have 135 guests and no members online

ዕለት 13 ለካቲት 2008 ዓ/ም ኣብ ወረዳ ቆላ ተምቤን ቑሸት ዱራምባ ተመሪቑ ንሕብረተሰብ ዝተረከበ ቤት ትምህርቲ፣ ብምትሕብባር ውዳበ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ጀርመን፣ ኣብ ሃገረ ጀርመን ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ኢትዬ-ዊተን፣ ዩኒቨርስቲ መቐለን ህዝብን ምምሕዳርን ወረዳ ቆላ ተምቤንን ዝተሃነፀ እዩ።

እቲ ኣብዛ ዕለት በዞም ገበርቲ ሰናይ ዘበናዊ ቤት ትምህርቲ ክህነፀሉ እምነ ሰረት ዝተነበረሉ ድማ ኣብ ወረዳ ቆላ ተምቤን ዝርከብ ጣቢያ ላዕላይ ስቄን እዩ።

ኣብተን ስነስርዓት ምረቓን እምነሰረትን ዝተረኸቡ ኣቦመንበር ቦርድ ማሕበር ልምዓት ትግራይን ፕረዚደንት ዩኒቨርስቲ መቐለን ዶክተር ክንደያ ገብረህይወትን ፈፃሚ ዳይረክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዶክተር ታደለ ሓጐስን “ንገባሪ ሰናይ ኢትዬ-ዊተን ዘለዎም ክብርን ናእዳን ብምግላፅ ሓገዞም ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅልሉ ብምትሕስሳብ፣ ዩኒቨርስቲ መቐለን ማሕበር ልምዓት ትግራይን ፀገማት ህዝበን ንምቅላል ኣበርቲዔን ከምዝንቀሳቐሳ ድሕሪ ምሕባር፣ ተምሃሮ በርቲዖም ክመሃሩን ተረከብቲ ሕድሪ ክኾኑን ተላብዬም።”

ዳይረክተር ገባሪ ሰናይ ኢትዬ-ዊተን ዶክተር ኣሕመዲን ኢድሪስ ብወገኖም “ትካሎም ምስ ማሕበር ልምዓት ትግራይን ዩኒቨርስቲ መቐለን ተዋዲዱ፣ ኣብ ህንፀት ኣብያተ ትምህርቲ፣ ምምላእ ናውቲ ሕክምናን ሰልጠና ሰብ ሙያ ሕክምናን ጠሚቱ ይሰርሕ ምህላው ድሕሪ ምግላፅ፣ ንቕድሚት’ውን ኩለ መዳይ ሓገዙ ኣጠናኺሩ ከምዝቐፅለሉ ቃል ኣትዬም።”

ሓላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ወረዳ ቆላ ተምቤን መምህር ኣብርሃም ድማ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ወረድኦም ትገብሮ ንዘላ ሰናይ ተግባር ብስም ተጠቀምቲ ብምምስጋን፣ ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ክትጠናኸር ኩለመዳይ ሓገዝ ክገብረላ ፀዊዖም።   

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms