Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 160

Who's Online

We have 138 guests and no members online

 

 

 

29 ጥሪ 2008 ዓ/ም ኣብ መኣከቢ ኣዳራሽ ቤት ማዘጋጃ ከተማ መቐለ ዝተውሃበ ሽልማት ኣብ ሃገራዊ ፈተና ዓሽራይ ክፍሊ ልዑል ውፅኢት ንዘመዝገቡ ተምሃሮ ንምትብባዕ ዝዓለመ እዩ።

ማሕበር ልምዓት ትግራይ በቢዓመቱ ልዕሊ ሓደ ሚልዬን ብር በጀት ብምስላዕ ኣብ መንጎ ተምሃሮ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ትምህርታዊ ንሕንሕ ብምፍጣር በዝሒ ፈላጣት ተምሃሮ ንክስስን ዓሊማ ተካይዶ መድረኽ መተባብዒ እንትኾን ኣብታ ዕለት ክልተ ሚኢትን ኣርባዓን ሽዱሽተን ደቂ ተባዕትዬን ክልተ ሚኢትን ዕስራን ትሽዓተን ደቂ ኣንስትዬን ተምሃሮን ሰለስተ ኣብያተ ትምህርትን ተሸለምቲ ኮይኖም ‘ዬም።

ኣብቲ ስነስርዓት መተባብዒ ሽልማት ተምሃሮ ዝተረኸቡ ፈፃሚ ዳይረክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዶክተር ታደለ ሓጐስ ኣብዘስምዑዎ መደረ፦ “ማሕበር ልምዓት ትግራይ ደረጅኦም ዝሓለው ህንፃታት ኣብያተ ትምህርቲ ሃኒፃ መፃሕፍትን ኮምፒዩተራትን ብምምላእ ንመምህራንን ርእሳነ መምህራንን ግቡእ ስልጠና ብምሃብ ፅርየት ትምህርቲ ክልልና ንምርግጋፅ እጃማ ኣብ ምውፋይ ከምትርከብ ድሕሪ ምሕባር፣ ተምሃሮን ኣብያተ ትምህርትን ፅርየት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ኣበርቲዖም ክንቀሳቐሱ ኣተሓሳሲቦም።

ብስም ኩሎም ተምሃሮ ዞባ መቐለን ቤት ፅሕፈቶምን ንፃዕሪ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብምንኣድ፣ ካብ ኣባላታ ካብ ዝኣከበቶ ሃፍቲ ልዑል በጀት ሰሊዓ ተተባብዕ ዘላ ማሕበር ልምዓት ትግራይ፣ ኣብ ዞባ መቐለ ጥራሕ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ዓዲሓን ዓዲሓቅን ሃኒፃ ንሕ/ሰብ ምርካባን፣ ሀዚ’ውን ኣብ ጣቢያ ሓወልቲ ደረጅኡ ዝሓለወ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሃኒፃ ንምርካብ ኣብ ምንቅስቓስ ምህላዋ ዝሓበሩ ሓላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ዞባ መቐለ ኣይተ ፍስሃ ታደሰ፣ ኩሎም ተምሃሮ ዞባ መቐለ ሓንቲ ቅርሺን ሓንቲ ተኽልን ዝብል ቴማ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ተቐቢሎም ተግባራዊ ምግባሮም ድሕሪ ምግላፅ፣ ዛጊድ ብስም ኣብያተ ትምህርተን ትካላዊ ኣባላት ዘይኮና ኣብያተ ትምህርቲ ትካላዊ ኣባላት ብምዃን እቶት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ከሰስና ተላብዬም።

 

ኣርባዕተ ነጥቢ ንዘምፅኡ ደቂ ተባዕትዬ ተምሃሮን ሰለስተ ነጥቢ ሽሞንተ ሽዱሽተ ንዘመዝገባ ደቂ ኣንስትዬ ተምሃሮን፣ ሕድሕዶም ሓሓሙሽተ ሽሕ ብርን ወረቐት ምስክርን  ዝተሸለሙ እንትኾን፣ ብዘሕለፍኦም በዝሒ ተምሃሮ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ኮይነን ዝተዓወታ ቃላሚኖ፣ ኤስ ኦ ኤን ኒኮላስን ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ላፕቶፕ፣ ዴስክቶፕ ኮምፒዩተርን ፕሪንተርን ተሸሊመን’የን። 

 

 

 

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms