Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 145

Who's Online

We have 114 guests and no members online

 

 

 

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ፀገም ቀረብ መስተ ማይ ኣብያተ ትምህርቲ ንምቅላል ናይ ትገብሮ ፃዕሪ ኣካል ዝኾነ ጉድጓድ፣ ኣብ ወረዳ ኣፅቢ ወምበርታ ኣብ ትርከብ ባርካ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ብከባቢ ክልተ ሚኢቲ ሽሕ ብር ወፃኢ ዝተኹዓተ እዩ።

ዕለት 07 ለካቲት 2008 ዓ/ም ኣብታ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ምረቓ ተረኺቦም ነቲ ዝተኹዓተ ማይ ንሕብረተሰብን ተምሃሮን ጣቢያ ባርካ ዓዲ ስብሓ ዘረከቡ፣ ወናኒ ጊልስ ኳዕቲ ዓሞቕትን ማእኸለዎትን ጎዳጉዲ ማይ ኣይተ ፍፁም ኣስገዶም፣ ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ኣፅቢ ወምበርታ ኣይተ ክፍሎም ኣባዲን፣ ዳይረክተር ዳይሬክቶሬት ትግበራ ልምዓታዊ ፕሮግራማት ማ.ል.ት ኣይተ ንጉስ ከበዶምን’ዮም።

ምስ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ተዋዲድካ ፀገማት ህዝቢ ምቅላል ከምዘሐጉሶም ዝገለፁ ወናኒ ጊልስ ኳዕቲ ዓሞቕትን ማእኸለዎትን ጎዳጉዲ ማይ ኣይተ ፍፁም ኣስገዶም፣ ዛጊድ ባዕሎምን ካልኦት ወነንቲ ትካላት ኳዕቲ ጎዳጉዲ ማይን ብምትሕብባር ኣብ ዝተፈላለያ ከባብታት ትግራይ ሸሞንተ ጎዳጉዲ መስተ ማይ ኩዒቶም ንተጠቀምቲ ምርካቦም ብምሕባር፣ ንቕድሚት’ውን 11 ለካቲት ዝፈጠረትሎም ሰላም ልምዓትን ዲሞክራስን ተጠቒሞም ምስ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ተዋዲዶም ከምዘልምዑ ቃል ኣትዮም።

ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ኣፅቢ ወምበርታ ኣይተ ክፍሎም ኣባዲ ኣብዘስምዑዎ መደረ “ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ ኣካላት ብምትሕብባር ኣብ ወረዳ ኣፅቢ ወምበርታ ቡዙሓት ስራሕቲ ልምዓት ከምዘተኣታተወት ብምግላፅን ብምንኣድን፣ ወናኒ ጊልስ ኣይተ ፍፁም ኣስገዶም’ውን ምስ ወረዳ ኣፅቢ ወምበርታ ዘለዎም ልምዓታዊ ምትእስሳር ነዊሕ እዋን ከምዘቑፀረን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅልን ዘለዎም እምነት ብምግላፅ ንዝተገበረሎም ሰናይ ስራሕ ብስም ህዝቢ ወረድኦምን ምምሕዳሮምን ብምምስጋን እቲ ዝተኹዓተ ጉድጓድ ብኣግባቡ ኣብ ጥቕሚ ክውዕልን ግቡእ ክንክን ክግበረሉን ኣተሓሳሲቦም።

 

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ባዕላን ካልኦት ገበርቲ ሰናይን ብምትሕብባር፣ ፀገማት ሕብረተሰብና ዘቃልሉ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ልምዓት ከምትትግብር ዝሓበሩ ዳይረክተር ዳይረክቶሬት ትግበራ ልምዓታዊ ፕሮግራማት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ንጉስ ከበዶም፣ ወናኒ ጊልስ ኳዕቲ ማይ ብውልቀ ገንዘቦም ይገብሩዎ ንዘለው ልምዓታዊ ኣበርክቶ ብስም ማ.ል.ትን ህዝብን ብምንኣድ ሰናይ ተግባሮም ኣጠናኺሮም ክቕፅልሉ ተላብዮም። 

 

 

 

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms