Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 145

Who's Online

We have 67 guests and no members online

ንብሉፃት ተምሃሮን ኣብያተ ትምህርትን ዞባታት ምዕራብ፣ ሰሜን ምዕራብን ምብራቕን፣ ኣብ ከተማታት ሑመራ፣ ሽረ እንዳስላሰን ዕዳጋ ሓሙስን ብማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝተዳለወ ሽልማት ዝተውሃበ ካብ ዕለት 08-10 ጥሪ 2008 ዓ/ም እዩ።

ኣብቲ ኣብ መንጎ ተምሃሮ ካልኣይ ብርኪ ትምህርታዊ ንሕንሕ ብምፍጣር በዝሒ ልዑል ውፅኢት ዘመዝግቡ ተምሃሮ ንምስሳንን፣ ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ሕድሕደን ብምንሕናሕ ንዝበለፀ ውፅኢት ክነጥፉን ዝዓለመ መድረኽ መተባብዒ ሽልማት ንማሕበር ልምዓት ትግራይ ወኪሎም ዝተረኸቡ ኣይተ ካልኣዩ ወልደገብርኤል ኣብዘስምዑዎ መደረ “ተሸለምቲ ተምሃሮን ኣብያተ ትምህርትን ዕላማ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንምዕዋት ኣበርቲዖም ክሰርሑን በቢዓመቱ ርኡይ ለውጢ ከመዝግቡን ተላብዮም።” ንብሉፃት ተሸለምቲ ተምሃሮን ኣብያተ ትምህርትን ዞባ ምዕራብ ዝሸለሙ ምክትል ዋና ኣመሓደርን ሓላፊ ፀጥታን ምምሕዳርን ኣይተ ተኪኡ መትኩ እንትኾኑ፣ ንተምሃሮን ኣብያተ ትምህርቲ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ዝሸለሙ ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓትን ሓላፊ ፕሮፖጋንዳን ኣይተ ሽሻይ መረሳን ንተምሃሮን ኣብያተ ትምህርትን ዞባ ምብራቕ ዝሸለማ ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓትን ዋና ኣመሓደሪት ዞባ ምብራቕን ወይዘሮ ያለም ፀጋይን’ዮም።

በቢዞብኡ ተረኺቦም  ብማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝተዳለወ ሽልማት ዘበርከቱ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰለስቲኤን ዞባታት ድማ “ማሕበር ልምዓት ትግራይ ትገብሮ ንዘላ ርኡይ ኣስተዋፅኦ ብምንኣድ፣ ተምሃሮን ኣብያተ ትምህርትን ዝያዳ ተናሓናሕቲ ብምዃን ህዳሰ ሃገርና ኣብ ምርግጋፅ መሪሕ ተራ ክፃወታን ንማሕበር ልምዓት ትግራይ ክድግፋን ኣተሓሳሲቦም”።

ዞባታት ምዕራብ ሰላሳን ሸውዓተን፣ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ሓደ ሚእትን ዓሰርተ ሽዱሽተን፣ ዞባ ምብራቕ ቴስዓን ትሸዓተን ተምሃሮኣን ዘሸለማ ኮይነን፣ ብዓሰርተ ዓይነታት ትምህርቲ “ኤ” ብምምዝጋብ ኣርባዕተ ነጥቢ ዘምፅኡ ደቂ ተባዕትዮን ሰለስተ ነጥብ ሸሞንተ ሽዱሽተ ዘመዝገባ ደቂ ኣንስትዮን ሕድ ሕዶም ሸሽዱሽተ ሚእቲ ብርን ወረቐት ምስክርን ተሸሊሞም’ዮም።

ካብ ዞባታት ምዕራብ ሰሜን ምዕራብን ምብራቕን ብበዝሒ ዘሕለፈኦም ተምሃሮ ዓሽራይ ክፍሊ ቀዳሞት ዝወፃ ኣውራ ካልኣይ ብርኪ፣ ሰመማ ካልኣይ ብርክን ፅንስታ ካልኣይ ብርክን ነፍሰ ወከፈን ላፕቶፕ ኮምፒዩተር፤ ካልኣይ ኮይነን ንዝተዓወታ መለስ ዜናዊ ካልኣይ ብርኪ፣ ዓዲ ዳዕሮ ካልኣይ ብርክን ኣሕዘራ ካልኣይ ብርክን ሕድሕደን ዴስክ ቶፕ ኮምፒዩተር፤ ከምኡውን ሳልሳይ ደረጃ ንዝኾና ጌታቸው ኣዘናው ካልኣይ ብርኪ፣ ዛና ካልኣይ ብርክን ሓይቂ መስሓል ካልኣይ ብርክን ብነፍሲ ወከፍ ፕሪንተር ተበርኪቱለን’ዮ።

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዓሚ 1258 ተምሃሮን ዕስራን ሓደን ኣብያተ ትምህርትን ንምሽላም ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ብር ወፃኢ ዝገበረት እንትትኮን፣ ሎሚ ዘበን ድማ ንሓደ ሽሕን ክልተ ሚኢትን ሰብዓን ሽድሽተን ተምሃሮን ካብ ሸውዓተኤን ዞባታት ትግራይ ካብ 1-3 ንዝወፃ ኣብያተ ትምህርቲ ንምሽላም ሓደ ሚልዮንን ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕን ብር በጂታ ዛጊድ ኣብ ዞባታት ደቡብ ምብራቕ፣ ምዕራብ፣ ሰሜን ምዕራብን ምብራቕን መተባብዒ ሽልማት ምብርካታ ተፈሊጡ‘ሎ።

 

 Click Here to see more photos...

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms