Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 168

Who's Online

We have 103 guests and no members online

 

ኣብ ቤት ፅሕፈት ማልት ክላስተር አዲስ አበባ አብ 11 ጨንፈር /ክፍለ ከተማታት/ ዝርከቡ አመራርሓ ቦርድ  1 ፍርቂ ዓመት 2008 ዓ.ም አፈፃፅማ መደባት  ገምጋም ንናይ 2008 ዓ/ም 2 ፍርቂ ዓመት ትልሚ ኦሬንተሽን አብ ጊዮን ሆቴል ዳሽን አዳራሽ  05ጥሪ 2008 ዓ/ም አሳሊጦም፡፡

 

አብቲ አኼባ ናይ 2008 ዓ/ም 1ይ ፍርቂ ዓመት ዝነበሩ መደባትን አፈፃፅመኦምን ብመተሓባሪ ክላስተር አዲስአበባ አይተ ፀጋይ አብርሃ ብዝርዝ ቀሪቡ ምይይጥ ምስ ተኻይዱ ካብ ሕሉፍ ናይ 2007 ዓ/ም ተመሳሳሊ ወቕቲ ዝነበረ አፈፃፅማ ካብ ዝተትሓዘ ትልሚ ልዕሊ 90% ዝተዓወተ ምዃኑ ብምግምጋም ብልዕሊ 14 ሚሊዮን ብር አብ  9 ወረዳታት ትግራይ ህንፀተን ዝሳለጣ ዘለዋ 10 ቀዳማይ ብርኪ አብያተ ትምህርቲ ዝበፅሓኦ ደረጃ ንጉባኤተኛ ቀሪቡ አብ ሓድሓደ ዝርአይ ዘሎ ምጉታት ዓለም ለኸ ማልት ቤት ፅሕፈት ዝግባእ ትኹረት ክህበሉ አተሓሳሲቦም፡፡

 

ብካሊእ መዳይ አብ ናይ 2008 ዓ/ም 2 ፍርቂ ዓመት ሓንቲ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ብሽም ጨናፍር ቢሮታት አዲስ አበባ ትስራሕ ሓዊሱ ሃንቲ ማእኸል ስይንስን ቴክኖሎጂን አብ ዝተመረፀት ካልአይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ንምህናፅ ዘኽእል ናይ እቶት መተአኻኸቢ መድረኽ በቢጨንፈሩ ከካይድ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ፡፡

 

አብቲ አኼባ ዝተረኸቡ ዳይሬክተር ውዳበ አባላትን ምትእኽኻብ ሃፍትን ቤት ፅሕፈት አዲስ አበባ አይተ አታኽልቲ ሕሉፍ ኩሉ አመራርሓ ማልትን በቢ ደረጅኡ ዝርከብ አባልን ደገፍቲ አካላትን ብምትሕብባር አብ ክልልና ዘሎ ናይ መምሃሪ ክፍሊታት ፀገምን ካልኦት ማሕበረኢኮኖሚያዊ ፀገማትን ምፍታሕ ተወዲብና ክንሰርሕን ሓላፍነትና ክንዋፃእ አለና ክብሉ ገሊፆም፡፡ ከምዚ ዓይነት መድረኻት በቢ ግዚኡ ከምዝካየድ ዝሓበሩ አተሓባባሪ ክላስተር አይተ ፀጋይ 15 ጥሪ 2008 ዓ/ም ላዕለዎት አመራርሓ ማልትን ናይ መንግስቲ አካላትን ዝርከቡሉ መድረኽ አብ መአከቢ አዳራሽ ሃገር ፍቅር ቲያትር ከምዝተዳለወን ኩሉ ተወላዲን ደጋፊ ልምዓት ትግራይን ንክርከብ ፃውዒት አቕሪቦም፡፡

አብ ውሽጢ 3ተ ዓመት ስትራተጂክ ትልሚ ማልት ምስተንህንፀተን ዝሳለጥ ዘለዋ ሓዊስካ ጨንፈራት /ክፍለ ከተማታት/ ክላስተር አዲስ አበባ 12 ቀዳማይ ብርኪ አቢያተ ትምህርቲ ከምዘህነፃ ይፍለጥ፡፡ 

 

 

 

 

ኩነታትህንፀትኣብያተትምህርቲክፍለከተማታትኣዲስኣበባ

 

#

ሽም ቤት ትምህርቲ

ዞባ

ወረዳ

ሓጋዚ ክፍለ ከተማ

መብርሂ

 

1

ደርግጭ

ደቡብ

ራያ ኣላማጣ

ኣራዳ

ህንፃተዛዚሙ

 

2

ዝነያ

ደቡብ

እንዳሞኾኒ

ይካ

ቆርቆሮ ተኸዲኑ ስራሕ ይቅፅል ኣሎ

 

3

ገዘመ

ደቡብ

እምባኣላጀ

ኣዲስ

ስራሕ ሐዚ ይጅመር ኣሎ

መሬት ዋንነት ችግር ኣጋጢሙ ስለዝነበረ 

4

ሰላምሰረት

ደ/ምብራቅ

ደ/ተንቤን

ነፋስስልክ

ቆርቆሮ ተዲኑ ስራሕ ይቅፅል ኣሎ

 

5

ዓደርዕም

ምብራቅ

ኣ/ወምበርታ

ጨርቆስ

ኣብ  መሰረትኮለን ስራሕቲ

 

6

ኣባይደራ

ምብራቅ

ኣ/ወምበርታ

ኮልፌቀራንዮ

ኣብ ጨረታ ይርከብ

ኣብቲ ወረዳ ዝነበረ ችግር ፀልይዎ

7

እንዳበርናባስ

ሰ/ምዕራብ

ኣስ/ፅምብላ

ቦሌ

ቆርቆሮ ተዲኑ ስራሕ ይቅፅል ኣሎ

 

8

ፍረስውኣት

ማእላይ

ቆላተንቤን

ልደታ

ኣብ  መሰረት ኮለን ስራሕቲ

 

9

ገርዛ

ማእላይ

ጣ/ኣበርገለ

ጉለሌ

ቆርቆሮ ተዲኑ ስራሕ ይቅፅል ኣሎ

 

10

ማይሪማ

ሰ/ምዕራብ

ፀለምቲ

ኣቃቂቃሊቲ

ቆርቆሮ ተኸዲኑ

 

 

 

See More...

 

 

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms