Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 145

Who's Online

We have 23 guests and no members online

 

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ነዚ ዝሓበረት፣ ኣብ ወረዳታት ላዕላይን ታሕታይን ማይጨው፣ ግሊመር ኦፍ ሆፕ ምስዝተባህለ ገባሪ ሰናይ ወፃእን ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይን ብምትሕብባር፣ ተሳልጦ ካልኣይ ምዕራፍ ዝተዋደደ ፕሮግራም ማሕበረሰባዊ ልምዓት ንምጅማር ዘኽእላ መድረኽ ዘተ፣ ዕለት 21 ታሕሳስ 2008 ዓ.ም ኣብ ከተማ ኣክሱም መአከቢ ኣዳራሽ ብራና ሆቴል ኣብዘካየደትሉ እዋን’ዩ።

 

ዝተዋደደ ልምዓት ብምርግጋፅ መነባብሮ ሕብረተሰብ ንምምሕያሽ ዝዕላምኡ ፕሮጀክት ቀዳማይ ምዕራፍ ዓሚ ከምተጀመረን፣ ንተኸታተልቲ ሓሙሽተ ዓመታት ከምዝዘልቕን ዝሓበሩ ፈፃሚ ዳይረክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዶክተር ታደለ ሓጎስ፦ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ዘተባብዕ ስራሕቲ ልምዓት ምውጋኑ ድሕሪ ምግላፅ፣ ካብ ሕሉፍ ዓመት ተሞክሮ ብምስናቕ ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ ዝያዳ ዓወት ልምዓት ንምምዝጋብ ካብ ተጠቀምቲ ማሕበረሰብ ኩለመዳይ ምትሕግጋዝ ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቦም።

 

ካንትሪ ዳይረክተር ኤግሊመር ኦፍ ሆፕ ኣይተ ገብረህይወት ኣበበ ብወገኖም “ትካሎም ኣብ ትግራይ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ገበርቲ ሰናይ ውሽጢ ዓዲ ምስ ዝኾና ማሕበር ልምዓት ትግራይ፣ ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይን ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስን ብምትሕብባር፣ ኣማኢት ሚልዮናት ብር መዲቡ መነባብሮ ሕብረተሰብ ንምልዋጥን ንምምሕያሽን ተርኡ እናተፃወተ ምፅንሑ ብምዝኽኻርን፣ ሀዚውን ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ ድሕሪ ምሕባር፣ ሕብረተሰብ ዕላማ ማሕበረሰባዊ ልምዓት ብምርዳእ ክንዲ ዝኸኣሎ ኢዱ ብምሕዋስ ክሕግዝን ኣብ ከባቢኡ ዝህነፁ ትካላት ብኣግባቡ ክጥቀመሎምን ክከናኸኖምን ተላብዮም።”

 

ቀዳማይ ምዕራፍ ፕሮጀክት ዝተዋደደ ማሕበረሰባዊ ልምዓት ብግሊመር ኦፍ ሆፕ ብዝተመደበ ልዕሊ 15.1 ሚልዮንን፣ ሕብረሰብ ብዘዋፅኦ ልዕሊ 2.1 ሚልዮን ብር ኣብ ትምህርትን ኣብ ጥዕናን ንልዕሊ ሰላሳ ሽሕ ዜጋታት ተጠቀምቲ ዝገበረ ኮይኑ፣ ካልኣይ ምዕራፍ ድማ ልዕሊ ዓሰርተ ኣርባዕተ ሽሕ ዜጋታት ኣብ ትምህርትን ጥዕና እንስሳን ዝኣመሰሉን ተጠቀምቲ ንምግባር ልዕሊ ዕስራን ሰለስተን ነጥቢ ሓሙሽተ ሚልዮን ብር ብምብጃት ምስ ሕብረተሰብ ብምውዳድ ዝካየድ ልምዓት ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።

 

ፕሮጀክት ዝተዋደደ ማሕበረሰባዊ ልምዓት ኣብ ህንፀት ኣብያተ ትምህርቲ፣ ትካላት ጥዕና፣ ኣብያተ ንባብ፣ ዓይነ ምድሪ፣ ምምላእ ናውቲ፣ ህንፀት ዓቕምን ዝኣመሰሉን ስራሕቲ ልምዓት ብምንጣፍ ንሕብረተሰብና ዝረብሕ ፕሮጀክት’ዩ።

Click here to see more photos...

 

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms