Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 163

Who's Online

We have 52 guests and no members online

ብፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዶ/ር ታደለ ሓጎስ ዝምራሕ ዓሰርተ ሓደ ተምሃሮ፣ ርእሰ መምህርን ምክትል ርእሰ መምህርን ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ካብ 5 ሕዳር 2008ዐም ጀሚሩ ንሓደ ሰሙን ኣብ ሃገረ እስራኤል ዑደት ተሞክሮ ልውውጥ ኣካይዱ፡፡ ነቲ ጉጅለ ዝመርሑ ፈፃሚ ዳይሬክተር ማልት ከምዝበልዎ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝጀመረ ዑደት ልውውጥ ተሞክሮ ተምሃሮ፣ ሎሚ ዘበን’ውን ቀፂሉ፣ 11 ተምሃሮ ከምኡ’ውን ክልተ ኣመራርሓ ኣባላት እቲ ቤት ትምህርቲ ኣካቲቱ ዕውት ዑደት ከምዘካየደ ሓቢሮም፡፡

ኣብ መንጎ ተምሃሮ ኣካዳሚያዊ ንሕንሕ ብምፍጣር ብሉፃትን ተወዳደርትን ተምሃሮ ንፍራይ ስለዝሕግዝ እቲ ዑደት ከምዝተዳለወ ዝሓበሩ ዶ/ር ታደለ፣ ተምሃሮ ዘሎ ብሉፅ ተሞክሮ ሰኒቖም ክመፁን ነፃ ዕድል ትምህርቲ ክረኽቡ ስለዝሕግዝን ቀፃልነት ዘለዎ ዑደት ልውውጥ ተሞክሮ ይካየድ ምህላው ሓቢሮም፡፡ ነዞም ልዕል ክብል ዝተሓበሩ ሽቶታት ንምዕዋት ማልት ነቲ ፕሮጀክት ምስ ዝድግፉ ሚ/ር ማርክ ገልፋንድ ዝተብሃሉ ለጋስ እንዳሰርሐት ከምዘላ ዝሓበሩ ዶ/ር ታደል፣ ነቶም ገባሪ ሰናይን ትካሎምን ዘለዎም ምስጋና ገሊፆም፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ መንጎ ዑደት ዘካየዱ ተምሃሮ እቶም 7 ዕድል ነፃ ትምህርቲ ብምርካቦም፣ ቴክንዮን እስራኤል ኢንስቲቱይት ኦፍ ቴክኖሎጂ ኣብ ዝተብሃለ ፉሉጥ ትካል ትምህርቲ፣ ናይ ቀዳማይ ዲግሪ ትምህርቶም ብዘፈር ቴክኖሎጂ ይመሃሩ ከምዘለው ዝሓበሩ እቶም ፈፃሚ ዳይሬክተር፣ እቲ ኢንስቲትዩት ንመፃኢ ተመሳሰሊ ዕድል ከምዝህብ ዘለዎም ተስፋ ገሊፆም ፡፡

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ንምጥንኻርን ንምስፋሕፋሕን ሰፋሕቲ ስራሕቲ ኣብ ምስራሕ ከምትርከብ ዝገለፁ ዶ/ር ታደለ፣ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ዓቕሚ ምቕባል ተምሃሮ እቲ ቤት ትምህርቲ እንዳወሰኸ ከምዝርከብ ኣብሪሆም፡፡ ኣብ 2006ዓም ዓቕሚ ምቕባል ተምሃሮ እቲ ቤት ትምህርቲ 90 ምንባሩ ዝገለፁ ዶ/ር ታደለ፣ ኣብ 2007ዓም ናብ 120 ኣብ 2008ዓም ድማ ናብ 160 ተምሃሮ ሓፍ ከምዝበለ ኣዘኻኺሮም፡፡ ድሕሪ ቁሩብ ዓመታት ብሓፈሻ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ዝሕዞም ተምሃሮ 1000 ንምብፃሕ ይስራሕ ምህላው ዘረድኡ እቶም ፈፃሚ ዳይሬክተር፣ ንምስፍሕፋሕን ምጥንኻርን እቲ ቤት ትምህርቲ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ሓገዞም ከሐይሉ ፀዊዖም፡፡

ትካላት ትምህርቲ እስራኤል ዘለወን ምዕሩይ ምሕደራ ኣዝዩ ዘበናዊ ኮይኑ ከምዝረኸብዎ ዘብርሁ ርእሰ መምህር ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣይተ ገ/መድህን እንትኾኑ፣ ዝወሰድዎ ተሞክሮ ደረጃ ብደረጃ ናብ ቤት ትምህርቶም ንምትእትታው ከምዝፅዕሩ ገሊፆም፡፡

“ኣብ ሃገረ እስራኤል ብምዃድ ዝረኸብናዮ ዕድል ተሞክሮ ልውውጥ ብትምህርትና በርቲዕና ክንሰርሕ ሓጋዚ ኮይኑ ረኸብናዮ ኣለና” ዝበሉ ኣብ’ቲ ዑደት ዝተሳተፉ ተምሃሮ ብወገኖም፣ ማልት ከም’ዚ ዝበለ ዕድል ንኻልኦት ተምሃሮ ትግራይ’ውን ክተመቻቹ ተላቦዎም፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ነፃ ዕድል ትምህርቲ ምስ ዝረኸቡ ተምሃሮ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ከምዝተራኸቡ ዝገለፁ እቶም ተምሃሮ፣ ተመሳሳሊ ዕድል ንምርካ በርቲዖም ከምዝሰርሑ ቃል ኣትዮም፡፡ Click here to see more photos...

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms