Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 163

Who's Online

We have 136 guests and no members online

ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ መአከቢ ኣዳራሽ ባሕረ ነጋሽ ሆቴል 19 ሕዳር 2008 ዓ.ም ኣብ ዝተኻየደ ገምጋም ስራሕ ዓመተ 2007፣ ብሉፅ ኣፈፃፅማ ንዘመዝገቡ ኣብ መላእ ትግራይ ካብ ዝርከባ ዕስራ ወረዳታት ንዝተሓረዩ ዕስራ ርእሳነ መምህራን ሕድ ሕዶም ልዕሊ ክልተ ሽሕ ብር ዝግምተን ቴክኖ ሞባይልን ወረቐት ምስክርን ብሽልማት ተዋሂቡዎም።

ኣብቲ ገምጋማዊ ስልጠና ኣፈፃፅማ ስራሕ ሕሉፍ ዓመት፣ ትልሚ 2008ን ኣብ ርእሲ ምቕራቡ፣ ኣብ ኣጠቓቕማን ኣድላይነትን ፀግዕታት ንባብ፣ ተፍትሽ ተምሃሮ፣ ምልክታ ክፍልን ዝኣመሰሉን ዛዕባታት ብኣመራርሓን ክኢላታትን ፕሮጀክት ምምሕያሽ ክእለት ንባብ ብቑልዕነት መብርሂ ምስተውሃበ ተሳተፍቲ ብግቡእ ዘትዮሙሉ እዮም።

ምስ ዩ ኤስ ኤይድ ብምትሕብባር ብማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ዕስራ ወረዳታት ትግራይ ኣብ ዝርከባ 337 ኣብያተ ትምህርቲ ዝትግበር ዘሎ ፕሮጀክት ምምሕያሽ ክእለት ንባብ ብቑልዕነት፣ “ዓርሰ እምነት ዘማዕበለ ውፅኢታዊ መንእሰይ ዜጋ ንምህናፅ ዝዓለመ” ምዃኑ ማናጀር ፕሮጀክት ምምሕያሽ ክእለት ንባብ ብቑልዕነት ኣይተ ፍቕረ ኣለምሰገድ ሓቢሮም።

ነቲ ገምጋማዊ ስልጠናን መድረኽ መተባብዒ ሽልማትን ዝኸፈቱ ተወካሊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ኣይተ ሰለሙን ፍስሃየ ኣብዘስምዑዎ መኽፈቲ መደረ ኣብ ክልልና ፅርየት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ይግበር ኣብ ዘሎ ፃዕሪ “ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ ኣካላት ብምትሕብባር ልዑል ኣበርክቶ ትገብር ከምዘላ ብምዝኽኻር፣ ኣበርቲዓ ከምትቕፅለሉ ዘለዎም እምነት ገሊፆም።”

ኣማኻሪ ማሕበራዊ ጉዳያት ምምሕዳር ዞባ ሰሜን ምዕራብ ኣይተ እልፍዮስ ታደሰ ብወገኖም “ንኩለ መዳይ ንጥፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ድሕሪ ምንኣድ፣ ተሸለምቲ ዕላማ ምምሕያሽ ክእለት ንባብ ብቑልዕነት ክዕወት ተዓፃፂፎም ክሰርሑ ሓደራ ኢሎም።”

ውፅኢታዊ ስራሕ ንምምዝጋብ ኣፍልጦ ምሃብን ምትብባዕን ኣድላይነቱ ዝኣመነት ማሕበር ልምዓት ትግራይ፣ ሀዚ ንርእሳነ መምህራን ኣወፍያቶ ዘላ ተመሳሳሊ ሽልማት ኣብ ቀረባ እዋን ንሓደ ሚእትን ስሳን ክልተን መምህራንን ክልተ ሽሕን ዕስራን ክልተን ተምሃሮን ከምዝወሃብ ብምሕባር፣ ትግራይ ፅርየት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ተዋዲድና ክነዐውቶ ይግባእ ዝበሉ ድማ ዳይረክተር ዳይረክቶሬት ትልሚ ፕሮግራማትን ምትእኽኻብ ሃፍትን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ንጉስ ከበዶም እዮም።

 

Click here to see more photos...

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms