Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 168

Who's Online

We have 30 guests and no members online

ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት ማልት 2007ዓምን ትልሚ 2008ዓምን ማእኸል ብምግባር ክልቲኦም ኣካላት 25 መስከረም 2008ዓም ኣብ ከተማ ሃገረሰላም ብሰፊሑ ዘትዮም፡፡ ነቲ ዘተ ዝኸፈቱ ምክትል ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡባዊ ምብራቕ ኣይተ ተኽለወይኒ ገ/መድህን እንትኾኑ፣ ኩሎም ኣመራርሓ ስራሕ ወረዳታት መደባት ማልት ልክዕ ከም ብመንግስቲ ዝወርዱ መደባት ግቡእ ጠመተ ብምሃብ ክሰርሕሎም ኣተሓሳሲቦም፡፡ ስራሕቲ ማልት ብዓይኒ ዝረኣዩን ዝጭበጡን’ዮም ዝበሉ ኣይተ ተኽለወይኒ፣ ማልት ኣብ ህዝብና ዘለዋ ተቐባልነት ተጠቒምና ብበዝሒ ኣባላትን እቶትን ክትድልድል ከይተሓለልና ክንሰርሕ ይግባእ ክብሉ ሓቢሮም፡፡

ገምጋም ኣፈፃፅማ መደባት 2007ዓምን ትልሚ 2008ዓምን ብዝርዝር ዘቕረቡ ፀሓፊ ቦርድ ማልት ዞባ ደቡብዊ ምብራቕ ኣይተ ኣስመላሽ ኣረጋይ እንትኾኑ፣ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ምብራቕ ትግራይ ዝርከብ ሰራሕተኛ መንግስቲ ዳርጋ ሙሉእ ብሙሉእ ኣባል ማልት ብምዃን ግብኡ ኣብ ምፍፃም ከምዝርከብ ሓቢሮም፡፡ ብሓፈሻ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ምብራቕ ካብ ዝነብር ህዝቢ ልዕሊ 92 ኣባል ማልት ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ኣስመላሽ፣ ብተነፃፃሪ ኣብ ወረዳ እንደርታ ዝሓሸ ምንቅስቓስ ከምዘሎ ኣብሪሆም፡፡

ብብርኪ ዞባ ይኹን ወረዳ ማሕበረሰብ ንግድንን መራሕቲ ስድራን ኣባላት ኣብ ምፍራይ ኣዝዩ ዝተሓተ ከምዝኾነ ዝሓበሩ ኣይተ ኣስመላሽ፣ ኣብ ዓመተ 2008ዓም ከም ትልሚ ኣብ’ዚ መዳይ ወረዳታት ክነጥፋ ይግባእ ክብሉ ገሊፆም፡፡ ኣብ 2007ዓም መዳባት ማልት ከም ቁልፊ መደብ ዘይምውሳድ፣ ዝተዛበዐ ፀብፃብ ምቕራብ፣ ኣብ ገባርን ተምሃርን ከምኡውን ማሕበረሰብ ንግድን ግቡእ ጠመተ ዘይምሃብን እቶም ቀንዲ ፀገማት ከምዝነበሩ ብዝርዝር ዘብርሁ ኣይተ ኣስመላሽ፣ ነዞም ፀገማት ብምውጋድ ኣካላት ኣመራርሓ ብሰፊሑ ክሰርሑ ሓቢሮም፡፡ ዝነበሩ ማሕልኻታት ብምእላይ ኣብ 2008ዓም ኩሉ ተምሃራይ፣ ማሕበረሰብ ንግዲ፣ መራሒ ስድራን ሰራሕተኛ መንግስትን ኣባል ብምግባር ልዕሊ 2.1 ሚልዮን ብር ኣታዊ ንምርካብ ከምመደብ ተታሒዙ’ሎ ዝበሉ ኣይተ ኣስመላሽ፣ ወረዳታት ክሳብ ልምዓት ጉጅለ ዘሎ ኣወዳድባ ብምትዕርራይ ከምዝውግነኦ ዘለዎም እምነት ገሊፆም፡፡

ኣብ’ቲ ሓበራዊ መድረኽ ዘተ ዝተረኸቡ ተሳተፍቲ ብወገኖም ማልት ኣብ ህዝቢ ዞባ ደቡባዊ ምብራቕ ዘለዋ ተቐባልነት ዓብይ ምኳኑ ድሕሪ ምግላፅ፣ ኣባላት ብበዝሒ ዘይተመልመሉ ባዕላና ብዕሊ መደባት ማልት ብዘይምምራሕና’ዩ ክብሉ ተዛሪቦም፡፡ ዝተውሃቡ ኣንፈታትን ተሞክሮታትን ብምውሳድ መደባት ማልት 2008ዓም ብዕውት ኣገባብ ከምዝውግኑ ዝሓበሩ እቶም ተሳተፍቲ፣ ብፍላይ ኣብ ምውዳብ ነበርቲ ከተማ፣ ገጠርን ማሕበረሰብ ንግድን ፍሉይ ጠመተ ብምሃብ ከምዝሰርሑ ገሊፆም፡፡ ፍትሓዊ ዝርገሐ ብማልት ዝስርሑ ስራሕቲ ልምዓትን ዘይምሃብ ቅብሊት ደረሰኝን ንምፍታሕ ብዋና ቤት ፅሕፈት ማልት እንታይ ይስራሕ ከምዘሎ መብርሂ ዝሓተቱ ተሳተፍቲ ሓበራዊ መድረኽ፣ ሕቶ ኣባላት ብፍላይ ኣብ ቅብሊት ደረሰኝ ዓብይ ምዃኑ ሓቢሮም፡፡ ንዝተልዓሉ ሕቶታት ብዳይሬክተር ውዳበ ኣባላትን ምትእኽኻብ ሃፍትን ማልት ኣይተ ሃ/ማርያም ሃፍቱን፣ ዳይሬክተር ፋይናንስን ምምሕዳርን ኣይተ ገ/ሚካኤል ሓጎስን ሰፊሕ መብርሂ ተዋሂቡዎም፡፡

 

ኣብ መዛዘሚ ሓበራዊ መድረኽ ዝተረኸባ ዋና ኣመሓዳሪት ዞባ ደቡባዊ ምብራቕ ወ/ሮ ኬርያ ኢብራሂም ብወገነን፣ ማልት ትሰርሖም ስራሕቲ ብጭቡጥ ፀገማት ህዝቢ ዝፈትሑ ብምዃኖም፣ ኣመራርሓ ዞባ ደቡባዊ ምብራቕ ትግራይ ምስ ካልኦት መደባቱ ኣዋዲዱ መደባት ማልት ክውግን ኣተሓሳሲበን፡፡

Click here to see more photos...

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms