Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 145

Who's Online

We have 126 guests and no members online

ዕለት 09 ሕዳር 2008 ዓ/ም ኣብ ከተማ ኩሓ ኣብ ዝርከብ ወልዱ ንጉስ ካልኣይ ብርክን መሰናድኦን ተረኺቦም ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጌልፋንድ ፋሚሊ ቻሪተብል ትረስት (GFTC) ካብ ዝበሃል ገባሪ ሰናይ ትካል ብሓገዝ ዝረኸበተን ኮምፒዩተራት ዘረከቡ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ትልሚ ፕሮግራማትን ምትእኽኻብ ሃፍትን ማሕበር ልምዓት ትግራይ  ኣይተ ንጉስ ከበዶም እዮም።

ኣካዳሚያዊ ብቕዓት ተምሃሮ ኣብ ምሕያል ልዑል ተራ ከምዝህልወን ትፅቢት ዝግበረለን ኮምፒዩተራት ንፈለማ እዋን ብምርካብኩም ክትሕጎሱን ተምሃሮን መምህራንን ብግቡእ ክጥቀሙለን ክትገብሩን እምነት ማሕበር ልምዓት ትግራይን ገባሪ ሰናይ ትካል’ዩ ዝበሉ ኣይተ ንጉስ ከበዶም፣ ኣብዚ ዓመት ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ሸውዓተ መሰናድኦን ዓሰርተ ኣርባዕተ ካልኣይ ብርክን ኣብያተ ትምህርቲ ተመሳሳሊ ማእኸል ቨርቹዋል ኮምፒተር ከምዝጣየሻ ድሕሪ ምግላፅ፣ ኣብ ስራሕ ዘጋጥመኩም ፀገማት በቢእዋኑ ፀብፃብ ክትልእኹልና ይግባእ ኢሎም።

ነቲ ሓገዝ ዝተረከቡ ምክትል ርእሰ መምህር ወልዱ ንጉስ መሰናድኦን ካልኣይ ብርክን መምህር ብርሃኑ ካሳ ብወገኖም ኣብዘስምዑዎ መደረ፦ “ስራሕቲ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንህዝብና ከምዝጠቅም ኣፀቢቕና ኢና ንፈልጦ፤ ብመሰረት’ዚ ድማ እዩ ሎምዓንቲ እዚ ዘበን ዝጠልቦ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ንኤንፎርሜሽን ኮሚኒኬሽን ዝጠቅም ብፍላይ ንቤት ትምህርትና ዓብዩ ግብኣት ዘለወን ዕስራን ሸሞንተን  ኮምፒዩተራት ተገጣጢመንን መፃሕፍቲ ተፃዒነንን ተረኪብናየን ዘለና ኮምፒዩተራት ፅሬት ትምህርቲ ኣብ ምርግጋፅ ዘይናዓቕ ኣስተዋፅኦ ከምዝህልወን እምነቶም ብምግላፅ ንዝተገበረ ሓገዝ ኣመስጊኖም።

ብ1974 ዓ/ም ስሩዕ ምምሃር ምስትምሃር ዝጀመረ ወልዱ ንጉስ መስናድኦን ካልኣይ ብርክን፣ ከባቢ ክልተ ሽሕን ሸውዓተ ሚኢትን ተምሃሮን ሰማንያን ሸሞንተን መምህራንን ዘለውዎ’ዩ።

 

Click here to see moere photos...

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms