Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 160

Who's Online

We have 150 guests and no members online

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ሃገራዊ ፈተና ዓሽራይ ክፍሊ 3.86 ንዘመዝገባ ደቂ ኣንስትዮ፣ 4:00  ነጥቢ ንዘመዝገቡ ደቂ ተባዕትዮን ዓሰርቲኡ ዓይነታት ትምህርቲ “A” ንዘመዝገቡ ተምሃሮ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ብነፍስ ወከፍ ካብ 700-600 ብር ዝሸለመት ዕለት 09 ሕዳር 2008 ዓ/ም ‘ዩ።

ኣብ መኣከቢ ኣዳራሽ ምምሕዳር ዞባ ደቡብ ምብራቕ ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ሽልማት ተረኺቦም ንሰማንያ ተምሃሮን በዝሒ ተምሃሮ ንዘሸለማ 03 ኣብያተ ትምህርትን ዝተዳለወለን ሽልማት ገንዘብ፣ ወረቐት ምስክርን ኮምፒተርን ዝሸለሙ ዳይረክተር ዳይሬክቶሬት ትልሚ ፕሮግራማትን ምትእኽኻብ ሃፍትን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ንጉስ ከበዶም እዮም።

ኣይተ ንጉስ ሽዑ ኣብዘስምዑዎ መደረ “ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝሓሸን ዝማዕበለን ማሕበረ ሰብ ንምህናፅ ኣበርቲዓ ትሰርሕ ምህላዋ ብምዝኽኻር፣ ዛጊድ በቢከባቢኡ ህንፃታት ኣብያተ ትምህርቲ ንምቋም ከባቢ ሓደ ነጥቢ ሓሙሽተ ቢልዮን ብር ብምብጃት ኣስታት ሰለስተ ሚእትን ሰማንያን ሓሙሽተን ሽሕ ተምሃሮ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ክኸቱ ከምዝገበረት ሓቢሮም።”

ኣይተ ንጉስ ዘረብኦም ብምቕፃል፦ “ሀዚ’ውን ጎና ጎኒ ህንፀት ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ህዝባ ብእትረኽቦ ሃፍቲ፣ ፅርየት ትምህርቲ ብምርግጋፅ ሰብኣዊ ሃፍቲ ንምጉልባት ዝሕግዙ ሓሙሽተ ሓደሽቲ ፕሮግራማት ብምትእትታው ትንጥፍ ከምዘላን፣ መርኣያ ዝኾኑ ተምሃሮ ብሽልማት ኣቢላ ንምብርትታዕ ብቐፃልነት ከምትሰርሕን ገሊፆም።”

ዋና ኣመሓዳሪት ዞባ ደቡብ ምብራቕ ወ/ሮ ኬሪያ ኢብራሂም’ውን “ማሕበር ልምዓት ትግራይ መንግስትናን  ውድብናን ቀንዲ ጠመተ ሂቦም ይነጥፍሉ ንዘለው ፅርየት ትምህርቲ ሓጋዚት ብምዃና ዘለወን ናእዳ ብስም ምምሕዳረን ብምግላፅ፣ ፅርየት ትምህርቲ ዝረጋገፅ ብተሳትፎ ተምሃሮ፣ መምህራን፣ ወለድን ኣጠቓላሊ ማሕበረሰብን ስለዝኾነ ምዕቡል ወለዶ ንምህናፅ ተሓባቢርና ክንሰርሕ ይግባእ ድሕሪ ምባል፣ ብፍላይ ንደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ ፍሉይ ጠመተን ሓገዝን ሂብና ክነብቅዐን ይግባእ ኢለን።”

ኣብቲ መድረኽ ሽልማት በዝሒ ተምሃሮ ብምሽላም ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ዝወፃ፣ ግጀት 2 ብርኪ ቤት ትምህርቲ ላፕቶፕ፣ ካልኣይቲ ዝወፀት ሳምረ ካልኣይ ብርኪ ዴስክቶፕ ኮምፒዩተር፣ ሳልሰይቲ ኮይና ዝተዓወተት ዕስራ ዓዲ ካልኣይ ብርኪ ድማ ፕሪንተር ተሸሊመን’የን።

 

ሎሚ ዘበን ን1276 ተምሃሮን 21ን ኣብያተ ትምህርትን ዝወሃብ ሽልማት ዓሚ 56 ሎሚ ዘበን ድማ 80 ተምሃሮ ንምሽላም ብዝበቕዐት ዞባ ደቡብ ምብራቕ እዩ ተፈሊሙ። ተመሳሳሊ ሽልማት ኣብ ኩለን ዞባታት ትግራይ ከምዝቕፅል ድማ ተፈሊጡ’ሎ።

Click Here to See more photos...

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms