Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 163

Who's Online

We have 37 guests and no members online

ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ኣብ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ንሓደ ሽሕን ሓሙሽተ ሚኢትን ኣባፅሕ ንምስትምሃር ዓሊሙ ዝቖመ ፕሮጀክት ስሉጥ ትምህርቲ ንኣባፅሕ Accelerating Learning For Africa (ALFA) ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምስ ጄነቫ ግሎባል ብምትሕብባር ተሳልጦ ፕሮጀክት’ዩ።

ዕለት 27 ጥቅምቲ 2008 ዓ/ም አብ ከተማ መኾኒ ኣብ ዝርከብ መኣከቢ ኣዳራሽ ሜዳ ራያ ሆቴል ኣብ ዝተሳለጠ ዘተ ኣብ ዕላማን ኣድላይነትን ኣገባብ ኣፈፃፅምኡን ዝርዝር ስራሕትን ፕሮጀክት ስሉጥ ትምህርቲ ንኣባፅሕ፣ ካብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ዝተውፃፅኡ ርእሳነ መምህራንን ክላስተር ሱፐርቫይዘራትን ተሳተፍቲ ኮይኖም እዬም።

ነቲ መድረኽ ዘተ ዝኸፈቱ ዳይረክተር ዳይሬክቶሬት ትልሚ ፕሮግራምን ምትእኽኻብ ሃፍትን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ንጉስ ከበዶም ኣብዘስምዑዎ መደረ፣ እዚ ፕሮጀክት ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ወረዳ እንዳመኾኒ ብምንጣፍ 1,292 ኣባፅሕ ተምሃሮ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ክፍሊ ክዛዝሙ ምግባሩ፣ ሎምዘበን ድማ ብተመሳሳሊ ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ተኣታትዩ ኣባፅሕ ተምሃሮ  ክርብሑሉ ብማሕበር ልምዓት ትግራይ ከምዝተወሰነ ድሕሪ ምሕባር ፕሮጀክት ስሉጥ ትምህርቲ ንኣባፅሕ ብሉፅን ምሃዛይን ብዝኾነ ኣገባብ ክሳለጥ ትፅቢትና ልዑል’ዩ ኢሎም።

ወረዳ ራያ ዓዘቦ ብኣጠቓላሊ ንጥፈታት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብልፅትን ንጥፍትን ብምዃና ዓሚ ተሸላሚት ልዕሊ ሓደ ነጥቢ ሓሙሽተ ሚልዬን ብር ዝውድእ ቤት ትምህርቲ ምንባራ ዘዘኻኽሩ ኣይተ ንጉስ፣ ሎሚ ድማ ከምተወሳኺ ሽልማት ፕሮጀክት ኣልፋ ንሓደ ዓመት ኣብዚ ወረዳ ተኣታትዩ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዕድል ትምህርቲ ዘይረኸቡ ዕድምኦም ካብ 9-14 ዓመት ዝኾኑ ኣባፅሕ ናይ ሰለስተ ዓመት ትምህርቲ ኣብ ሓደ ዓመት ክውድኡዝኽእሉሉ ባይታ ምዃኑ ሓቢሮም።

ኣማኻሪ ማሕበራዊ ጉዳያት ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ሳምሶን ተፈሪ ብወገኖም “ባዕላዊ ፀገማትና ፈቲሕና ነዚ ፕሮጀክት ብፅርየት ዕውት ንምግባር ካብ ልቢ ክንብገስን ተምሃሮና ክነኽትትን ይግባእ ድሕሪ ምባል፣ ድኽመት ማእኸልና ጌርና ስራሕትና ክነጥቅዕ ይግባእ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

ፕሮጀክት ስሉጥ ትምህርቲ ንኣባፅሕ ናውቲ ትምህርቲ ንተምሃሮ፣ መንቀሳቐሲ ካፒታል ንኣዴታት እቶም ኣባፅሕን ማተርያል ቤት ትምህርትን ከምዝሕግዝ ተፈሊጡ’ሎ። 

 

Click here to see more photos...

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms