Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 168

Who's Online

We have 18 guests and no members online

ማልት ካብ ዘለውዋ ልዕሊ 1.2 ሚልዮን ኣባላት ዝለዓለ ቁፅሪ ዝሕዝ ቁፅሪ ኣባላት ተምሃሮ ከምዝኾነ ዝገለፁ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ውዳበ ኣባላትን ምትእኽኻብ እቶትን ማልት ኣይተ ሃ/ማርያም ሃፍቱ እንትኾኑ፣ እዞም ተምሃሮ ይገብርዎ ብዘለው ምንቅስቓስ ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ናብ ሓምለዋይ ይልወጣ ምህላወን ሓቢሮም፡፡ 26 ጥቅምቲ 2008ዓም ኣብ መሰናዶ ቤት ትምህርቲ ገልፋንድ ፋሚሊ - ማይቅነጣል ናይ ስራሕ ዑደት ዝገበረ ጉጅለ ማልት ብምምራሕ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዝተረኸቡ ኣይተ ሃ/ማርያም፣ ሕድሕድ ተምሃራይ ሓደ ተኽሊ ብምትካልን ሓደ ብር ብምውፃእን ኣባል ማልት ክኸውን እንዳተገበረ ምምፅኡ ኣዘኻኺሮም፡፡ እዙይ ብፍላይ ካብ ሓምሻይ ክሳብ ዓሰርተ ክልተ ክፍሊ ዘለው ተምሃሮ ዝምልከት ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ሃ/ማርያም፣ ብመንፅር ውፅኢት እንትዕቀን ብጭቡጥ ኣብ ባይታ ለውጢ ዘምፅእ ዘሎ ስራሕ ከምዝኾነ ሓቢሮም፡፡ ፈታዊ ዓዱን ንልምዓት ሃገሩ ዝፅዕርን ወለዶ ንምህናፅ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ምስራሕ ከምዘድሊ ዝገለፁ እቶም ዳይሬክተር፣ ካብ ድኽነትን ድሕረትን ዝተናገፈት ምዕብልቲ ትግራይ ንምህናፅ ዝግበር ፃዕሪ ንምድጋፍ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ነዚ መደብ ምትእትታው ኣገዳሲ ምዃኑ ብዝርዝር ኣብሪሆም፡፡ ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ናብ ሓምለዋይ ሕብሪ ይልወጣ ኣለዋ ዝበሉ ኣይተ ሃ/ማርያም፣ በዝሒ ተምሃሮ ኣባላት ብምስሳንን ካብ ተምሃሮ ዝርከብ እቶትን ብኣግባቡ ብምጥቃም ኣብ ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮ ክልልና እጃመን ከበርክታ ፀዊዖም፡፡

መሰናዶ ቤት ትምህርቲ ገልፋንድ ፋሚሊ - ማይቅነጣል ኣብ 2006ዓም ስሩዕ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዝጀመረ ቤት ትምህርቲ ከምዝኾነ ዝገለፀት ተምሃሪት ዓሰርተ ሓደ ክፍልን ኣባል ማልትን ተምሃሪ ትርሓስ ገ/መድህን እንትኸውን፣ ኣባል ማልት ብምዃን ሓንቲ ተኽሊ ተኺላ ንክልተ ዓመታት ኣብ ምሕብሓብ ከምትርከብ ሓቢራ፡፡ ማልት ቅድሚ ክልተ ዓመት ነዚ ቤት ትምህርቲ ሃኒፃ ንሕብረተሰብ እንተረክብ ተምሃሪት ታሽዓይ ክፍሊ ምንባራ ዝሓበረት ተምሃሪ ትርሓስ፣ ኣብ’ቲ እዋን ኣባል ማልት ብምዃን እጃማ ክተበርክት ከምዝግበኣ ብዝኣተወቶ ቃል መሰረት፣ ብተግባር ተርኢ ምህላዋ ገሊፃ፡፡

ብሽም ማልትን ነበር ቀዳማይ ሚንስተር ሃገርና መለስ ዜናውን ሓንቲ ተኽሊ ተኺሉ ኣብ ምክንኻን ከምዝርከብ ዝሓበረልና ድማ ተምሃሪ ዓሰርተ ክልተ ክፍሊ ዝኾነ ተምሃራይ ብስራት ፍስሃ’ዩ፡፡ ቤት ትምህርቶም ቅድሚ ክልተ ዓመታተ ጥር ትብል ተኽሊ ከምዘይነበራ ዝሓበረ ተምሃሪ ብስራት፣ ብኣመራርሓ ቤት ትምህርቶም ብዝተገበረሎም ገለፃ መሰረት ኩሉ ተምሃራይ ኣባል ማልት ኮይኑ ሐዚ ናብ ሓምለዋይ ትልወጥ ምህላዋ ሓቢሩ፡፡

“ቅድም ክብል ካብ ክላስ ወፂእና እንዓርፈሉ ፅላል ኣብ ቤት ትምህርትና ኣይነበረን፡፡ ኣብ 2006ዓም ኩሉ ተምሃራይ ኣባል ማልት ክኸውን ብዝተገበረልና ፃውዒት ግን ሐዚ ከምቲ ትሪእዎ ዘለኹም ብዙሓት ዝባፅሑ ተኽልታት ቤት ትምህርትና መሊኦምዎ ኣለው፡፡ ኣነ ዓሚ ሓንቲ ተኽሊ ተኺለ ክሳብ ሐዚ ማይ እንዳስተኩዋን እንዳሐብሐብኩዋን ይርከብ፡፡ ብዙይ ድማ ኣዝየ ሑጉስ’የ፡፡” ብምባል ዝተሰመዖ ሓጎስ ዝገለፀ ተምሃራይ ዳዊት ተኽለሃይማኖት እንትኸውን፣ ክሳብ ትምህርቱ ዛዚሙ ናብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝኣቱ ዝተኸላ ተኽሊ ክሕብሕብ ምዃኑ ሓቢሩ፡፡

 

Click here to see more photos...

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms