Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 163

Who's Online

We have 99 guests and no members online

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምስ ገባሪ ሰናይ ትካል ኣሜሪካ (USAID) ብምትሕብባር ተሳልጦ ዘላ ፕሮጀክት ዘዕግብ ውፅኢት የመዝግብ ከም ዘሎ ዝሓበሩ፣ ርእሳነ መምህራን፣ መምህራን ተምሃሮን ሰብ ሙያ ትምህርትን ወረዳታት ከተማ ኣላማጣን ማይጨውን እዮም።

ካብ 19 ጥቅምቲ ጀሚሩ ንተኸታተልቲ ሰለስተ መዓልታት ብዳይረክተር ዳይረክቶሬት ትልሚ ፕሮግራምን ምትእኽኻብ ሃፍትን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብኣይተ ንጉስ ከበዶም መሪሕነት፣ ኣብ ሙሉኣት ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ እድገት ፋናን ኣልማዝ ኣለሙን ኣብ ዝተኻየደ ዑደት ስራሕ ንውፅኢት እቲ ፕሮጀክት ምዕዛብን ምርግጋፅን ተኻኢሉ’ዩ።

ርእሳነ መምህራን፣ መምህራንን ሱፐርቫይዘራትን እተን ወረዳታት ኣብ ዝሃቡዎ ርእይቶ፦ ፕሮጀክት ምምሕያሽ ክእለት ንባብ ብቑልዕነት ተምሃሮ ቅርፅን ድምፀትን ቃላትን ፊደላትን ብግቡእ ፈልዮም ክመሃሩ ካብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብዝድፈአልና ሓገዝቲ መፃሕፍቲ፣ ቻርትን ፍሌሽ ካርድን ቋንቋታት ትግርኛን እንግሊዝኛን ብምጥቃም ካብ ልሙድ ሜላ ኣመሃህራ ወፂእና ኩልሻዕ ዓርቢ ክፍለ ግዘ ምንባብ ብምምዳብና ተምሃሮና ካብ ብጅምላ ምሕላፍ በቒዖም ክሓልፉ ኣኽኢሉልና’ዩ ድሕሪ ምባል፣ መምህራንን ተምሃሮን ክረዳድኡሉ ዝኽእሉ ስልጠና ሜላ ኣመሃህራ ምውሃቡን ኮሚቴ ክእለት ንባብ ምጥያሹን ዘይነዓቕ ኣበርክቶ ምግባሩ ገሊፆም።

ፕሮጀክት ምምሕያሽ ክእለት ምንባብ ብቑልዕነት ኣብ ዞባ ደቡብ ኣብዝርከባ ኣርባዕተ ወረዳታትን ሓምሳን ሓደን ኣብያተ ትምህርትን ከባቢ ዓሰርተ ሸውዓተ ሽሕ ተምሃሮ ሓቊፉ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ራብዓይ ክፍሊ ዝመሃሩ ተምሃሮ ምንባብ ባህሎም ጌሮም ክነጥፉ ዘኽኣለ ፕሮጀክት ምዃኑ ኣተሓባባሪት ፕሮጀክት ዞባ ደቡብ ወ/ሮ እምባፍረሱ ገብረህይወት ሓቢረን።

ኣብ ዕስራ ወረዳታት ትግራይ ኣብ ዝርከባ 337 ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ምንጣፍ ዝርከብ ፕሮጀክት ምምሕያሽ ክእለት ንባብ ብቑልዕነት፣ ዛጊድ ክፍልን ዕድመን መሰረት ዝገበሩ ዝንበቡ መፃሕፍቲ ንኹለን በዚ ፕሮጀክት ዝተሓቖፉ ኣብያተ ትምህርቲ ብምክፍፋል፣ ፀግዕታት ምንባብ (Reading corners) ምጥያሹን ንቐፃሊ ሕብረተሰብና ዝጥቀመሉ ናይ መፃሕፍቲ ባንኪ (Book Bank) ከምዝጣየሽን ዳይረክተር ዳይረክቶሬት ትልሚ ፕሮግራምን ምትእኽኻብ ሃፍትን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ንጉስ ከበዶም ሓቢሮም።

ፕሮጀክት ምምሕያሽ ክእለት ምንባብ ብቑልዕነት ሓደ ዓመት ዘቑፀረ ዕሸል ፕሮጀክት ማ.ል.ት. ምዃኑ ዝዝከር’ዩ።

 

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms