Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 163

Who's Online

We have 136 guests and no members online

ምክትል ኣቦመንበር ማልት ጨንፈር ጀርመን ኣይተ ኣይናለም ገብረመድህንን ዋና ሹም ሒሳብ ማልት ጨንፈር ጀርመን ኮማንደር ንጉሰ ጉርደን ምስ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ኮሙኒኬሽንን ርክብ ህዝብን ማልት ኣይተ ወልደስላሴ ረታ ብምዃን ኣብ ወረዳታት ኦፍላን ቆላተምቤንን ናይ ስራሕ ዑደት ኣካይዶም፡፡

ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ምፍሳስ ባሕሪ ኣብ ወረዳ ኦፍላ፣ ጣብያ ምፍላስ ባሕሪ ትርከብ ኮይና ብማልት፣ ኢትዮ - ቪተን፣ ማልት ጨንፈር ጀርመን፣ ዩንቨርስቲ መቐለን ወረዳ ኦፍላን ኣብ መወዳእታ 2007ዓም ህንፀታ ዝተጀመረ እንትኸውን፣ ኣብ’ዚ እዋን ናይ ምዝዛም ስራሕቲ ዝስረሐላ ዘሎ ቤት ትምህርቲ’ያ፡፡ እቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ 18 ጥቅምቲ 2008ዓም ኣብቲ ቦታ እንትበፅሑ ብዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ኦፍላ ኣይተ ኣፈወርቂ ረዳ ዝተመርሐ ጉጅለ ኣመራርሓ ስራሕ ወረዳ ኦፍላ ተቐቢልዎም፡፡

ከይዲ ህንፀት ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ምፍሳስ ባሕሪ ድሕሪ ምዕዛብ፣ ምክትል ኣቦመንበር ማልት ጨንፈር ጀርመን ኣይተ ኣይናለም ገብረመድህን ከምዝበልዎ፣ ማልት ጨንፈር ጀርመን ኣብ ዳስ ዝመሃሩ ህፃናት ትግራይ ካብ ፀሓይን ቁርን ንምንጋፍ ዓሊማ ክሳብ ሐዚ ሽዱሽተ ኣብያተ ትምህርቲ ሃኒፃ ንህዝብን ከባቢያዊ ምምሕዳራትን ከምዘረከበት ገሊፆም፡፡ ኣካል እተን ብማልት ዝተሃነፃን ኣብ ህንፀት ዘለዋን ዝኾነት ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ምፍሳስ ባሕሪ ከይዲ ህንፀታ ብዘዕግብ ኩነታት ይሳለጥ ምህላው ኣዝዩ ከምዘሐጎሶም ዝገለፁ ኣይተ ኣይናለም፣ ካብ ኣባላት ዝዋፃእ ገንዘብ ኣብ መዓልኡ ምዓሉ ብምርኣዮም ንማልት ዋና ቤት ፅሕፈትን ምምሕዳር ወረዳ ኦፍላን ዘለዎም ናእዳ ገሊፆም፡፡

ተሪፎም ዘለው ስራሕቲ ሽቓቕን ሓፁርን ኣብ ዝሓፀረ እዋን ተዛዚሞም ፣ ተምሃሮ ብቕልጡፍ ናብ’ቲ ዘበናዊ ህንፃ ከምዝሰጋገሩ ዘለዎም እምነት ዝገለፁ ድማ ዋና ሒሳብ ሹም ማልት ጨንፈር ጀርመን ኣይተ ንጉሰ ጉርደ እዮም፡፡ ካብ መዳርግቲ ኣካላት ትፅቢት ዝግበረሎም ድጋፋት ምስ ዝምልከቶም ብምዝርራብ ብእዋኑ ክቐርቡ ንምግባር ከምዝሰርሑ ቃል ዝኣተዩ ኣይተ ንጉሰ፣ ምምሕዳር ወረዳ ኦፍላ ንዝገበሮ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ኣመስጊኖም፡፡

ማልት ጨንፈር ጀርመን ኣብ ወረዳ ኦፍላ ዘሎ ሕፅረት ኣብያተ ትምህርቲ ንምፍታሕ ዓሊማ ንዝገበረቶ ሓገዝ ዝነኣዱ ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ኦፍላ ኣይተ አፈወርቂ ረዳ እንትኾኑ፣ ካብ ወረደኦም ትፅቢት ዝግበር ዘበለ ኩሉ ብምድጋፍ ከይዲ ህንፀት እታ ቤተ ትምህርቲ ብእዋኑ ክውገን ከምዝተገበረ ገሊፆም፡፡

19 ጥቅምቲ 2008ዓም ከይዲ ህንፀት ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዱራምባ ዝተዓዘበ እቲ ጉጅለ፣ ምስ ነበርቲ እቲ ከባቢ ተዘራሪቡ፡፡ ኣብ ህንፀት ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዱራምባ ቁሩብ ምድንጓያት ይረአ ከምዘሎ ዝሓበሩ ምክትል ኣቦመንበር ማልት ጨንፈር ጀርመን ኣይተ ኣይናለም ገብረመድህን፣ ወረዳ ቆላተምቤንን ዋና ቤት ፅሕፈት ማልትን ጠመተ ክህብሉ ፀዊዖም፡፡

ተሪፎም ዘለው ስራሕቲ ህንፀት ሽቓቕን ምምሕዳር ህንፃን ከምዝኾኑ ዝገለፁ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ኮሙኒኬሽንን ርክብ ህዝብን ማልት ኣይተ ወ/ስላሴ ረታ እንትኾኑ፣ ቤት ፅሕፈቶም ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ኣመራርሓ ወረዳ ቆላተምቤን ብምዝርራብ ዝተረፉ ስራሕቲ ብህፁፅ ንምውጋን ይሰርሕ ምህላው ገሊፆም፡፡ Click here to see more photos...

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms