Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 168

Who's Online

We have 113 guests and no members online

እዚ ዝተሓበረ ዕለት 15 ጥቅምቲ 2008 ዓ.ም ኣብ ወረዳ መደባይ ዛና ኣብ ዝርከባ ዓሰርተ ክልተ ጣቢያታት ብገንዘባዊ ሓገዝ ኤግሊመር ኦፍ ሆፕ ዝተብሃለ ገባሪ ሰናይ ትካል ንሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ዝትግበር ስራሕቲ ልምዓት ኣመልኪቱ ምስ ዝምልከቶም ኣመራርሓን ተረባሕትን ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ዘተ እዩ።

ኤግሊመር ኦፍ ሆፕ ዝበሃል ገባሪ ሰናይ ትካል ምስ ማሕበር ልምዓት ትግራይ፣ ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይን፣ ቢሮ ጥዕናን ብምትሕብባር ኣብ ዘፈራት ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ፅሩይ መስተ ማይን ዝኣመሰሉን መነባብሮ ሕብረተሰብና ንምምሕያሽ ዓሊሙ ኣብ ከተማ ሰለኽለኻ ኣብ ዘካየዶ መድረኽ ዘተን ትልምን ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ሰባት ተሳቲፎም ‘ዮም።

ነቲ መድረኽ ዝኸፈቱ ፈፃሚ ዳይረክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዶክተር ታደለ ሓጎስ፦ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝቖመትሉ ዕላማ ንምስኻዕ ዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ ብምትእልላሽ ምልማዕ ከምትቕፅለሉ ብምሕባር፣ ኹሉ ክፋል ሕብረተሰብ ኣብ ጎና ተሰሊፉ በቢዓቕሙ ክሳተፍ ድሕሪ ምዕዳም ንሰናይ ተግባር ኤግሊመር ኦፍ ሆፕ ብስም ተጠቀምቲ ኣመስጊኖም።

ካንትሪ ዳይረክተር ኤግሊመር ኦፍ ሆፕ ኣይተ ገ/ህይወት ኣበበ ድማ፦ ትካሎም ኣብ ወረዳ መደባይ ዛና ንዝሳለጥ ዝተዋደደ ማሕበረሰባዊ ልምዓት ልዕሊ ሓደ ሚእትን ሓምሳን ሚልዮን ብር በጂቱ ኣብ ዝገብሮ ምንቅስቓስ፣ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ስምዒት ዋንነት ብምሕዳር ብገንዘቡ፣ ብጉልበቱ፣ ብክእለቱን ከባቢያዊ ናውቲ ብምቕራብን ዘይተቖጠበ ደገፍ ክገብር ፀዊዖም።

እዚ ሀዚ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ወረዳ መዳባይ ዛና ክትትግብሮ ተሊማ ዘላ ስራሕቲ ልምዓት ትምህርትን ጥዕናን መቐፀልታ ናይቶም ዛጊድ ተሳልጦም ዘላ ክፍተታት ልምዓት ናይ ምምላእ ቀንዲ ልእኽቶኣ እዩ ዝበሉ ድማ ዳይረክተር ዳይረክቶሬት ትልሚ ፕሮግራምን ምትእኽኻብ ሃፍትን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ንጉስ ከበዶም ‘ዮም።

ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ መዳባይ ዛና ኣይተ ኣማረ ግርማይ ብወገኖም “ማሕበር ልምዓት ትግራይ ፀገማት ወረድኦም ተገንዚባ ገበርቲ ሰናይ ብምትሕብባር ንእተሳልጦ ልምዓት ብምምስጋን ህዝብን ምምሕዳሮምን’ውን ካብኦም ዝድለን ትፅቢት ዝግበርን ኩሉ ከምዘማልኡ ቃል ኣትዮም።”  

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተረኸቡ ተወከልቲ ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ፣ ቢሮ ጥዕና ክልልናን ነናቶም ትልምን መደባትን ዘቕረቡ እንትኾን ደገፍ ኩሉ ሕብረተሰብ ንከይፍለዮም ድማ ኣተሓሳሲቦም።

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms