Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 145

Who's Online

We have 27 guests and no members online

ብዳይረክተር ዳይረክቶሬት ትልሚ ፕሮግራምን ምትእኽኻብ ሃፍትን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ንጉስ ከበዶም ዝተመርሐ ጉጅለ ካብ 03-09 ጥቅምቲ 2008 ዓ.ም ኣብ ሸውዓተ ወረዳታት ብዝተፈላለያ ጨናፍር ውሽጥን ወፃእን ዓዲ ኣብ ህንፀት ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ተዓዚቡ’ዩ።

ዕላማ’ቲ ዑደት፣ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝርገሐን ፅርየትን ትምህርቲ ንምምሕያሽ ዓሊማ ትሃንፀን ኣብ ዘላ ኣብያተ ትምህርቲ ብኣካል ተረኺብካ ብመሰረት ፕላነንን በጀተንን ብፅርየት ይሰርሓ ምህላወን ንምርግጋፅ’ዩ።

ብመሰረት’ዚ ኣብ ወረዳ ደጉዓ ተምቤን ቁሸት ሰላም ሰረት ብጨንፈር ክፍለ ከተማ ንፋስ ስልክ፤ ኣብ ወረዳ ጣንቋ ኣበርገለ ቁሸት ወጊፍ ብጨንፈር ደቡብ ኢትዮዽያ፤ ኣብ ወረዳ ቆላ ተምቤን ቑሸታት ዱራምባን ፍረስውኣትን ብጨንፈር ጀርመንን ክፍለ ከተማ ልደታን፤ ኣብ ወረዳ ኣፅቢ ወንበርታ ቑሸታት ኣባይ ድራን ዓዲርዕሞን ብክፍላተ ከተማ ኮልፌን ጨርቆስን፤ ኣብ ወረዳ ፀለምቲ ቑሸት ምሬና ብክፍለ ከተማ ኣቃቂ፤ ኣብ ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ቁሸት እንዳባገርግስ ብክፍለ ከተማ ቦሌ፤ ኣብ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ቁሸት እንዳሚካኤል ብጨንፈር ፈረንሳይ ይህነፃ ኣብ ዘለዋ ኣብያተ ትምህርቲ ዑደት ተጌሩ’ዩ።

መብዛሕትአን ኣብያተ ትምህርቲ ብመሰረት ፕላነን፣ በጀተን እዋነንን ፅርየተን ሓልየን ይሰርሓ ምህላወን፤ ገለ ኣብያተ ትምህርቲ ድማ ጉድለት ፅርየት፣ ፕላንን ሰለጤንን ከምዝተርኣየን ዝሓበሩ ኣይተ ንጉስ ከበዶም፣ ፅቡቕ ኣፈፃፅማ ንዘለወን ብምንኣድ፣ ነተን ጉድለት ዘርኣያ ድማ ህፁፅ ፍታሕ ከቐምጣ መምርሒ ሂቦም።

ዝምልከቶም ኣመራርሓ ወረዳታት ድማ ብማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝተገበረ ዑደት ስራሕ ቀፃልነት ክህልዎ ብምሕባር፣ ምስ ማልት ኢድን ጓንትን ኮይኖም ከምዝሰርሑ ኣረጋጊፆም።

 

ኣብቲ ወፍሪ ዑደት ስራሕ፣ ካብ ዳይረክቶሬታት ትልሚ ፕሮግራምን ምትእኽኻብ ሃፍትን ኮሚኒኬሽንን ርክብ ህዝብን ማልት ዝተውፃፅኡ ላዕለዎት ክኢላታት ምርካቦም ተፈሊጡ’ሎ።

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms