Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 169

Who's Online

We have 87 guests and no members online

በቢደረጅኡ ዝርከቡ ኣመራርሓ ቦርድ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንምጉልባት ቃል ዝኣተዉ፣ ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2007 ዓ.ም ን ትልሚ 2008 ዓ.ምን ኣመልኪቶም 25 መስከረም 2008ዓ.ም ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኣብ ዝተኻየደ ገምጋም እዩ።

ኣብ መኣከቢ ኣዳራሽ ምምሕዳር ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ንዝተኻየደ ገምጋም ዝመርሑ ኣቦመንበር ቦርድ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣይተ ረዳኢ በዛብህን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ህወሓት እታ ዞባ ኣይተ መኮነን ገብሩን እዮም።

ኣብ ኩለን ተግባራትና ጉዳይ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ከም ሓደ ዛዕባናን ዋኒንናን ጌርና ስለዘይሰራሕናሉ፣ ኣብ 2007 ዓ.ም ሚእቲ ሚእታዊ መደባትና ክነዐውት ኣይከኣልኣናን ዝበሉ ተሳተፍቲ’ቲ ገምጋም፣ ብፍላይ ኣብ ሓረስቶትን ሰብ ሃፍትን ክነመዝግቦ ዝግባእ ውፅኢታዊ ስራሕ ክንውግን ኣይከኣልናን ኢሎም።

ኩለን ወረዳታትና ዘመዝገብኦ ዓወት ምፍልላዩ ፀገም መሪሕነትና ዝፈጠሮ ድኽመት ምዃኑ ተዓዚብና’ለና ዝበሉ እቶም ኣካላት ኣመራርሓ፣ ኣብ 2008 ዓ.ም ኣብ ኩሉ ሕብረተሰብና መንፈስ ምርድዳእን ምትእምማንን ብምፍጣር ዘዕግብ ውፅኢት ከምዘመዝግቡ ኣረጋጊፆም።

ተሞክሮ ቡሉፃት ወረዳታት ትግራይ ብምስናቕ፣ ተግባራውነት መደባት ማልት መገማገምን መነቓቐፍን ዛዕባ ጌርና ብምስራሕ፣ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብበዝሒ ኣባላትን እቶትን ብምድንፋዕ፣ ኣብ በቢወረዳና ዝርከባ በዝሒ ዳስ ኣብያተ ትምህርቲ ፍርቀን ናብ ዘበናዊ መምሃሪ ህንፃ ክንቅይረን ኢና ክብሉ ድማ ቃል ኣትዮም።

 ኣብቲ ብዓለም ለኸ ቤት ፅሕፈት ማልት ዝተሰናድአ መድረኽ ገምጋም ኣፈፃፅማ መደባት 2007 ዓ/ምን ቀፃሊ ስራሕቲ 2008 ዓ.ምን፣ መተሓባበሪ ክላስተር ክልተ ኣይተ ኣበበ ተሾመን ላዕለዋይ ክኢላ ኮሚኒኬሽንን ርክብ ህዝብን ኣይተ ታደሰ ነጋሽ ተረኺቦም ተወሳኺ መብርሂን ርእይቶን ከምዝሃቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ’ሎ።

Click here to see more photos...

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms