Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 160

Who's Online

We have 15 guests and no members online

ጨናፍር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ማእኸላይ ኢትዮዽያ ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት ሕሉፍ ዓመትን ትልሚ 2008ዓም ማእኸል ብምግባር ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ዓለምለኸ ሰላምን ልምዓትን ኢንስቲትዩት ኣኼባ ኣሳሊጠን፡፡ ኣብ’ቲ 22 መስከረም 2008ዓም ዝተሳለጠ ኣኼባ ዝተረኸቡ ኣመራርሓ ጨናፍር ማእኸል  ሃገር፣ ኣብ ሕሉፍ ዓመት ዝነበሩ ምዕቡል ጎንታት፣ ድኽመታትን ክስተኻኸሉ ዝግበኦም ኣካይዳታትን ማእኸል ብምግባር ብሰፊሑ ዘትዮም፡፡

ጨናፍር ማእኸል ሃገር ካብ ግዘ ናብ ግዘ በዝሒ ዝውድበኦም ኣባላትን ዝእክበኦ እቶትን እንዳዐበየ ይከይድ ምህላው ዝሓበሩ ዳይሬክተር ውዳበ ኣባላትን ምትእኽኻብ ሃፍትን ማልት ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ኣታኽልቲ ሕሉፍ እንትኾኑ፣ ሐዚ’ውን ምስ ዘሎ በዝሒ ኣብ ልምዓት ክልልና ክሳተፍ ዝደሊ ትግራዋይን ካልኦት ብሄራትን ብዙሕ ከምዝተርፍ ሓቢሮም፡፡ ብፍላይ ሰብ ውልቀ ሃፍቲ ኣለዓዒልካን ወዲብካን ኣብ ምኻድ ዝረአ ክፍተት ቀንዲ ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ኣታኽልቲ፣ ነዚ ንምስጋር ኣመራርሓ ስራሕ ጨናፍር ማእኸል ሃገር ኣበርቲዖም ክሰርሑ ተላቢዎም፡፡

ማልት ሓዱሽ ስትራተጂካዊ ትልሚ ሓሙሽተ ዓመት (2008 – 2012ዓም) ተሊማን ዝተፈላለዩ ሽቶታት ኣቐሚጣን ትርከብ ዝበሉ ድማ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ማልት ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ተስፋይ ወልደሚካኤል’ዮም፡፡ ብመሰረት “ኩሉ ትግራዋይ ኣባል ምግባር” ብምባል ዝተትሓዘ ሽቶ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ክልላትን ዝነብር ትግራዋይ ኣባል ኣብ ምግባር ጨናፍር ማእኸል ሃገር ክነጥፋ ዝፀውዑ ኣይተ ተስፋይ፣ ማልት ኣዲስ ኣበባ ቤት ፅሕፈት ኩለመዳያዊ ድጋፍን ኣመራርሓን ከምዝህብ ገሊፆም፡፡ መደባት 2008ዓም ንምፍፃም ኣብ 2007ዓም ዝተርኣዩ ክፍተታት ምፍታሕ ከምዘድሊ ዝሓበሩ ኣይተ ተስፋይ፣ ኩለን ጨናፍር ብመልክዕ ፕሮጀክትን ክፍሊት ኣባልነትን ዝግባእ ድጋፍ ንማልት ከበርክታ ፀዊዖም፡፡

ዝተሳለጠ መድረኽ ዘተ ኣዝዩ ሓጋዝን ስራሕቲ ብዕቱብ ንምክትታል ደጋፍን ከምዝኾነ ዝሓበሩ ታሳተፍቲ እቲ ዋዕላ፣ መደባት 2008ዓም ኣብ ዳርችኦም ንምብፃሕ ከይተሓለሉ ከምዝሰርሑ ገሊፆም፡፡ በዝሒ ኣባላትን ዝእከብ እቶትን ብዝድለ ኣገባብ ንምዕባይ ኩሉ ኣብ ማእኸል ሃገር ዝረከብ ትግራዋይ ኣብ ጎኖም ክስለፍ ዝፀውዑ እቶም ተሳተፍቲ፣  ደገፍን ክትትልን ማልት ኣዲስ ኣበባ ከይፍለዮም ተላቢዎም፡፡

Click here to see more photos...

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms