Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 145

Who's Online

We have 17 guests and no members online

ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ብማሕበር ልምዓት ትግራይ ተሃኒፁ፣ ዓመታዊ በጀቱ ብማልት እንዳተሰለዓሉ፣ ብሉፃት ተምሃሮ ካብ መላእ ትግራይ እንዳተቐበለ ዘምህር ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ምዃኑ ዝፍለጥ’ዩ፡፡ እዚ ቤት ትምህርቲ ክሳብ ሐዚ ዘፍረዮም ተምሃሮ ብልዑል ውፅኢት ናብ ዝተፈላለያ ትካላት ሃገርና ብምእታውን ብምምራቕን፣ ኣብ ዘፈራት ምህንድስና፣ ሕክምና፣ ቴክኖሎጅን ካልኦትን ዝረአ ዝነበረ ሕፅረት ዝተምሃረ ሓይሊ ሰብ ሃገርና ኣብ ምፍታሕ እጃሞም እንዳበርከቱ ይርከቡ፡፡

 

ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ከም መቐፀልታ ብሉፅ ተግባራቱ ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2007ዓም ካብ መንጎ ዘፈተኖም ተምሃሮ ዓሽራይን ዓሰርተ ክልተን ክፍሊ ዳርጋ ሙሉእ ብሙሉእ ኣዝዩ ልዑል ዝበሃል ውፅኢት ረኺቦም ኣለው፡፡

 

ሃገራዊ ፈተና ዓሽራይ ክፍሊ 2007ዓም ካብ መንጎ ዝወሰዱ 89 ተምሃሮ፣ እቶም 81 ሙሉእ 4.00 ነጥቢ ዝረኸቡ እንትኾኑ፣ እቶም ዝተረፉ 8 ተምሃሮ ድማ ካብ 3.57 -  3.71 ነጥቢ ኣመዝጊቦም ኣለው፡፡ ብድማር እንትረአ ተምሃሮ ዓሽራይ ክፍሊ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2007ዓም ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ዝቕፅል ምዕራፍ ኣዝዩ ብዘደንቕ ኣገባብ ሓሊፎም ኣለው፡፡

 

ብተመሳሳሊ ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2007ዓም ሃገራዊ ፈተና ዓሰርተ ክልተ ክፍሊ ካብ መንጎ ዝወሰዱ 91 ተምሃሮ፣ 3 ልዕሊ 600፣ 44 ካብ 500 – 600፣ 41 ካብ 400 – 499፣ 3 ካብ 350 – 399 ነጥቢ ብምምፃእ ኩሎም ናብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ሓሊፎም ይርከቡ፡፡ ብፍላይ እዙይ  ፍሉይ ዝገብሮ ኣብ ክልልና ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2007ዓም ልዕሊ 600 ነጥቢ ዘምፅኡ ተምሃሮ 4 ጥራሕ እንትኾኑ፣ እቶም 3 ተምሃሮ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ምዃኖም’ዩ፡፡ ካብ መንጎ ፈተና 12 ክፍሊ ዝወሰዱ ተምሃሮ ቓላሚኖ፣ ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ሃገራት ወፃኢ  ክኣትዩ ብምግባር፣ ዝሓሹ ሰብ ሞያ ምርካብ ይከኣልዩ ዝብል እምነት ዝሓዘት ማልት ምስ ዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ብምርድዳእ፣ ሸውዓተ ተምሃሮ ኣብ ሃገረ እስራኤል ኣብ ዝርከብ እስራኤል ኢንስቲትዩት ኦፍ ቴክኖሎጂ ትምህርቶም እንዳተኸታተሉ ይርከቡ፡፡

 

ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2007ዓም ዘመዝገቦም ዓወታት እዚኦም ጥራሕ ኣይኮኑን፡፡ እዚ ቤት ትምህርቲ ንንውሕ ዝበሉ ዓመታት 90 ተምሃሮ ዓመታዊ እንዳተቐበለስራሕቱ ኣብ ምውጋን ፀኒሑ’ዩ ፡፡ ማልት ብዝሃበቶ ልዑል  ጠመተ ዓቕሚ ምቕባል ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ኣብ 2007ዓም ናብ 120 ተምሃሮ ዝዓበየ እንትኸውን፣ ሐዚ ድማ ንዘበነ ትምህርቲ 2008ዓም 160 ተምሃሮ ተቐቢሉ ይርከብ፡፡ ዝቕበሎም ተምሃሮ ብዝወሰኸ ቑፅሪ፣ ብሉፅ ውፅኢት ከምዝርከብ ዝኣመነት ማልት ሐዚ’ውን ዓመታዊ ዝቕበሎም በዝሒ ተምሃሮ 250 ንምብፃሕ ስትራተጂካዊ ትልሚ ሓሙሽተ ዓመት ብምድላው ከይተሓለለት ኣብ ምስራሕ ትርከብ፡፡ እዚ ስራሕ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ዓመታዊ ዝሕዞም በዝሒ ተምሃሮ (ካብ 9 – 12 ክፍሊ) 1000 ንምብፃሕ ማእኸል ዝገበረ’ዩ፡፡

 

ብሓፈሻ ተምሃሮ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ዘመዝገብዎ ዘኹርዕ ዓወት፣ ዓወት ኣባላት፣ ደገፍትን መሓዙት ልምዓት ከምዝኾነ ማልት ትኣምን፡፡ ንኹሎም ዘይተቖጠበ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኣባላት፣ ደገፍቲ፣ መሓዙት ልምዓት፣ ወለዲ፣ ተምሃሮን ሰራሕተኛታትን ፍሉይ ካልኣይ ብረኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ እንኳዕ ደስ በለኩም ደስ በላና ክትብል ማልት ትፎቱ፡፡ ሐዚ’ውን ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ንምስፋሕን ፅሬት ትምህርቲ ክልልና ንምርግጋፅን ይግበር ኣብ ዘሎ ሰፊሕ ፃዕሪ፣ ኣብ ጎኒ ማሕበርኩም ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብምስላፍ ወገናዊ ግቡእኹም ክተበርክቱ ፃውዒታ ተቕርብ፡፡

 

ልምዓት ዓዲ ብደቂ ዓዲ!!

 

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms