Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 145

Who's Online

We have 186 guests and no members online

 

እቲ ብምትሕብባር ውዳበ ማልት ጨንፈር ጂቡቲን ህዝብን ምምሕዳርን ወረዳ ወርዒ ለኸን ኣብ ጣቢያ ማይነብሪ ቑሸት ኣኮፋ ተሃኒፁ ዕለት 09 መስከረም 2008 ዓ.ም ተመሪቑ ንተጠቀምቲ ዝተረከበ’ዩ።

 

ኣመሓዳሪ ጣቢያ ማይነብሪ ሸኽ ዓብደልቃድር ኑሩ ኣብቲ ስነስርዓት ምረቓ ተረኺቦም ኣብዘስምዑዎ መኽፈቲ መደረ፦ “ተምሃሮ ኣኮፋ ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ካብ ዳስ፣ ሓመድ፣ ፀሓይን ንፋስን ተገላጊሎም ኣብ ዘበናዊ ህንፃ ክመሃሩ ንዝገበሩ ኣባላት ማልት ጨንፈር ጂቡቲ ብምምስጋን ቀፃሊ ሓገዝ ንክገብሩሎም ተላብዮም።”

 

ህልኽን ወነን ዘለዎ ኣዝዩ ውሑድን ወናምን ህዝብና ካብታ ዝረኽባ እቶት እናነከየን ንኻልኦት ፈተውቲ ልምዓትና እናተሓባበረን ክርአን ክጭበጥን ናብ ዝኽእል ደረጃ ብምብፃሕና ተሓጕስና ኣለና ዝበሉ ተወካሊ ውዳበ ማልት ጨንፈር ጂቡቲ ኣይተ ኣዲስኣለም ተ/ሃይማኖት፣ ህዝቢ’ዚ ከባቢ እንተጠንኪሩ ፀገማት’ዛ ቤት ትምህርቲ ንምቅላል ቀፃሊ ስራሕቲ ክንሰርሕን ተምሃሮ ኣብ ድሕሪ ገዝኦም ክመሃሩ ክንፅዕርን ኢና ክብሉ ቃል ኣትዮም።

 

ንማልት ብምውካል መደረ ዘስምዑ ዳይረክተር ዳይረክቶሬት ርክብ ህዝብን ኮሚኒኬሽንን ኣይተ ወልደስላሰ ረታ ብወገኖም “ኩሎም ንጥፈታት ማልት ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ ብምዃኖም ህዝባን ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ብምትሕብባር ብዝረኸበቶ ሃፍቲ ብፍላይ ዘፈር ትምህርቲ ንምምሕያሽ ኣብ ዝገበረቶ ፃዕሪ ዛጊድ ልዕሊ 600 ኣብያተ ትምህርቲ ሃኒፃ ንተጠቀምቲ ምርካባ፣ ዘተኣኻኸበቶ ሃፍቲ ኣብ መዓልኡ ተውዕል ተኣማኒት ማሕበር ምዃና ዘረጋግፅ’ዩ ድሕሪ ምባል፣ ኩሉ ነባሪ ኣባል ማልት ብምዃን ተጠቃሚ ልምዓት ክኸውን ብምዕዳም ወለዲ ደቆም ናብ ትምህርቲ ብምኽታት ክከታተሉን ሓምለዋይ ከባቢ ክፈጥሩ ክምዕዱዎምን ኣተሓሳሲቦም።”

 

ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ወርዒ ለኸ ኣይተ ስምኦን ገብረየሱስ ብወገኖም፦ ”ንፀገም ከባቢና ቅድሚት ብምስራዕ ኣማዕድዮም ፀገም ህዝቦም ንምፍታሕ ብዝገበርዎ ፃዕሪ ዝማዕረገን ዘበናውን ህንፃ ሃኒፆም ንዘረከቡና ኣባላት ውዳበ ማልት ጨንፈር ጂቡቲ ዘለኒ ክብርን ናእዳን ብስም ህዝብን ምምሕዳርን ክገልፅ ይፎቱ” ድሕሪ ምባል “ካብዞም ኣርባዓ ዘይመልኡ ውሑዳት ወገናት ልዑል ተሞክሮ ሰኒቕና ንልምዓት ከባቢና ክንውፈን ተሪፎሙና ዘለዉ እታወታት ትምህርቲ ብፃዕርና ክነማልእን ይግባእ” ኢሎም።

 

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ዝተረኸቡ ተወከልቲ ዓበይቲ ዓዲ ብወገኖም፣ ፍረቓልስና ንምስትምቓር ብምብቃዕና ኣዚና ተሓቢንና ኢና ድሕሪ ምባል፣ በቢክእለትና ብምሕጋዝ ቤት ትምህርትና ከምንከናኸንን ደቅና ከምነምህርን ቃል ንኣቱ ኢሎም።

 

ኣኮፋ ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ብ1995ዓ.ም ክልተ መምህራንን ሰማንያ ተምሃሮን ሒዛ ብሓገዝ ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ ዝቖመትን ደረጃ ብደረጃ እናዓበየት ሎሚ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚእቲ ተምሃሮ ሒዛ ክሳብ ሻምናይ ክፍሊ ኣብ ምምሃር እትርከብ ቤት ትምህርቲ እያ።

 Click here to see more photos...

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms