Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 145

Who's Online

We have 46 guests and no members online

ብማሕበር ልምዓት ትግራይ ሽልማት ኣፍልጦ ተዋሂቡ፡፡

 

 እቲ ሽልማት ኣፍልጦ ዝተውሃበ ዓሽራይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ማልት ካብ 26 – 27 ነሓሰ 2007ዓም፣ ኣብ ከተማ መቐለ ኣዳራሽ ሓወልቲ ሰማእታት ኣብ ዝተሳለጠሉ እዋን’ዩ፡፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ናብራ ህዝቢ ትግራይ ዘመሓዩሽ ሰራሕቲ ልምዓት ዝወገነት እንትኸውን፣ ኣብ’ዞም ስራሕቲ ፍሉይ ኣበርክቶ ዝገበሩ ዝተፈላለዩ ኣካላት ሽልማት ብኣቕራባይነት ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዶ/ር ታደለ ሓጎስ ካብ ኢድ ነበር ፈፃሚ ዳይሬክተር ማልት ኣምባሳደር ተወልደ ገብሩ፣ ኣቦመንበር ኣመራርሓ ስራሕ ቦርድ ማልትን ዩንቨርስቲ መቐለን ዶ/ር ክንደያ ገ/ሂወትን ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይን ኣባል ኣመራርሓ ስራሕ ቦርድ ማልትን ኣይተ ሓጎስ ጎዲፋይ ወሲደን፡፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ዝሓገዙ ኣካለት ብሑዘት ዋላኳ እንተነበሩ፣ ኣብቲ መድረኽ ከምመርኣያ ኮይኖም ዝተሸለሙ ተሸለምቲ እዞም ዝስዕቡ ዘካተተ ነይሩ፡-

 

  1. ብሉፅ ኣፈፃፅማ መደባት ማልት ዝነበረን ወረዳታት
  2. ብሉፅ ኣፈፃፅማ መደባት ማልት ዝነበረን ዞባታትን ትካላትን
  3. ብሉፅ ኣፈፃፅማ መደባት ማልት ዝነበረን ጨናፍር ውሽጢ ዓዲ
  4. ብሉፅ ኣፈፃፅማ መደባት ማልት ዝነበረን ጨናፍር ወፃኢ ዓዲ
  5. ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ካልኣይ ብረኪ ኣብያተ ትምህርቲ ዝሰርሑን ኣብ ምስራሕ ዝርከቡን፣ ውልቀ ሰባት፣ ጨናፍርን ትካላትን
  6. ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ቀዳማይ ብረኪ ኣብያተ ትምህርቲ ዝሰርሑን ኣብ ምስራሕ ዝርከቡን፣ ውልቀ ሰባት፣ ጨናፍርን ትካላትን
  7. ብዝተፈላለዩ ብርክታት ትካላዊ ኣባላት ብምዃን ስራሕቲ ማልት ዝደገፉ ውልቀ ሰባትን ትካላትን
  8. ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ማእኸላት ፅሩይ ዝስተ ማይ ዝሰርሑን ኣብ ምስራሕ ዝርከቡን፣ ውልቀ ሰባት፣ ጨናፍርን ትካላትን
  9. ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ንስራሕቲ ሶፍት ፕሮግራማት/ፕሮጀክታት ብፋይናንስ ዝደገፉ መሓዙት ልምዓት
  10. ብውልቆም ንስራሕቲ ማልት ካልኦት ኣካላት ካብ ዝህብዎ ድጋፍ ብዝተፈለየ መልክዑ ዝደገፉ ውልቀ ሰባት
  11. እዋን ስርሖም ዝዛዘሙ

 

  • ኣባላት ኣመራርሓ ስራሕ ቦርድ
  • ኣባላት ኦዲት ኮሚቴ
  • ነበር ፈፃሚ ዳይሬክተር

 

follow the link to see the detail... 

ዝርዝር ተሸለምቲ ዓስራይ ጉባኤ ማ.ል.ት  

Click here to see more photos... 

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms