Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 168

Who's Online

We have 26 guests and no members online

 

እቲ ኣብ ወረዳታት ላዕላይን ታሕታይን ማይጨው ኣብ ዝርከባ ጣቢያታት ካብ 24-25 ሰነ 2007 ዓ.ም ዝተኻየደ ገምጋማዊ ዑደት፣ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኤ ግሊመር ኦፍ ሆፕ ምስ ዝበሃል ገባሪ ሰናይ ትካል ብምትሕብባር ትሃንፀን ኣብዘላ ኣብያተ ትምህርቲ እዩ።

 

ኣብ ሸውዓተ ጣቢያታት ክልቲኤን ወረዳታት ብልዕሊ ዓሰርተ ሸውዓተ ሚልዮን ብር ወፃኢ ይህነፃ ኣብ ዘለዋ ትሽዓተ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ኣብያተ ንባብን ሓደ መዋልዳንን መፅንሒ ቅድመ ወሊድን ተዘዋዊሮም ዑደት ዘካየዱ ላዕለዎት ኣመራርሓ ማሕበር ልምዓት ትግራይ፣ ኤግሊመር ኦፍ ሆፕ፣ ኣመሓደርቲ ወረዳታትን ጣቢያታትን ሰብ ሙያ ምህንድስናን እዮም።

 

ዕላማ’ቲ ዑደት እተን ዝህነፃ ዘለዋ ፕሮጀክትታት ዝርከባሉ ብርኪ ብምዕዛብ ፅርየትን ሰለጤነንን ብምግምጋም፣ ደረጅአን ሓልየን ኣብ መፈለምታ ወርሒ 2008 ዓ.ም ስሩዕ ግልጋሎት ዝህባሉ ኩነታት ንምትዕርራይን፣ ኣብ ህንፀተን ዝረኣዩ ጉድለታት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ዘቲኻ መፍትሒ ንምቕማጥን ምዃኑ ፈፃሚ ዳይረክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዶክተር ታደለ ሓጎስ ሓቢሮም።

 

ብመሰረት’ዚ መብዛሕትአን ፕሮጀክትታት ኣብ ዘተባብዕ ብርኪ ከምዝርከባ፣ ኣብ ውሱናት ፕሮጀክትታት ምድንጓይ ከምዘሎን ብወገን ሕብረተሰብ ክዋፃእ ዝግብኦ መዳርግቲ ገንዘብ ክንድቲ ዝድለ ዘይምእካቡን ብምግምጋም ቀልጢፉ ክመዓራረ ከምዝግብኦ፣ ተሳተፍቲ’ቲ ዑደት ኣብ ሓደ ምርድዳእ በፂሖም።

 

ኣመሓደርቲ ወረዳታት ላዕላይን ታሕታይን ማይጨው ብወገኖም ኣብዝሃቡዎ ርኢቶ፣ ስራሕቲ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣፅቢቖም ከምዘስተማቕሩዎ ብምግላፅ፣ ዝተርኣዩ ጎደሎታት ህፁፅ ፍታሕ ከምዘቕምጡሎም ገሊፆም።

 

ኣብ ወረዳታት ላዕላይን ታሕታይን ማይጨው ንሓሙሽተ ዓመታት ናይ ዝዘልቕ ፕሮጀክት ቀዳማይ ምዕራፍ ልዕሊ ሰላሳ ሽሕ ህዝቢ ተጠቀምቲ ዝገብር ‘ዩ።

 

Click here to see more photos...

 

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms