Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 163

Who's Online

We have 33 guests and no members online

 

እቲ ዕለት 21 ሰነ 2007 ዓ.ም ተመሪቑ ንሕብረተ ሰብ ዝተረከበ ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ፣ ኣብ ወረዳ ራያ ኣላማጣ ጣቢያን ቁሸትን ገርጀለ ዝርከብ ‘ዩ።

 

ኣመሓዳሪ ወረዳ ራያ ኣላማጣ ኣይተ ገብረእግዚኣብሄር ወልደገብርኤል ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ተረኺቦም ኣብዘስምዑዎ መደረ፦ “ውፅኢት ቀያሕትን ፀለምትን ሰማእታትና ዝኾነት ትካል ትእምት ቅልጡፍ ልምዓት ኣብ ምርግጋፅ ኣብ ትርከብ ጣቢያ ገርጀለ ካልኣይቲ ቤት ትምህርቲ ሃኒፃ ምርካባ፣ መርኣያ ህዝባውነታ ምዃኑ ድሕሪ ምግላፅ፣ ተቋደስቲ ውፅኢት ልምዓት ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ ብምዃንና እንኳዕ ኣሐጎሰና ኣሐጎሰኩም” ኢሎም።

 

ምክትል መካየዲ ስራሕ ትራንስ ኢትዮዽያ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር ኣይተ ማውጫ ወልዱ ድማ፣ “ካብ ዳስ ናብ ክላስ” ዝብል መሪሕ ጭርሖ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ተቐቢላ ህፁፅን እዋናውን ምላሽ ዝሃበት ትካልና ትራንስ ኢትዮዽያ፣ ቅድም ክብል ኣብዛ ጣቢያ ቁሸት ጠጠቻ ብልዕሊ ሸውዓተ ሚእትን ሓምሳን ሽሕ ብር ወፃኢ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሃኒፃ ንተጠቀምቲ ኣረኪባ ‘ያ፤ ብሓፈሻ ክልተ ሚልዮን ሸውዓተ ሚእትን ሓምሳን ሽሕ ብር ወፃኢ ብምግባር ኣብዚ ከባቢ ንዝርአ ሕፅረት ዝርገሐ ትምህርቲ ንምቅላል ዘኽእል ኣበርክቶ ንምግባር ዝዓለመ ቅዱስ ተግባር ትራንስ ኢትዮዽያ፣ ብተመሳሳሊ ኣብ ካልኦት ከባብታት‘ውን ኣብ ህንፀት ኣብያተ ትምህርቲ፣ ምሕዋይ ከባብን ዕቀባ ሃፍቲ ተፈጥሮን ስፖርታዊ ልምዓትን ዝጀመሮም ስራሕቲ ኣጠናኺራ ከምዝቕፅለሉ ቃል ብምእታው፣ እቲ ተሃኒፁ ዘሎ ቤት ትምህርቲ ብምውናን ንባዕሎም፣ ስድረኦም፣ ንህዝቦምን ንሃገሮምን ዝጠቕሙ ህፃናት ክመሃሩሉን ክፈርዩሉን ዝተጣየሸ ምዃኑ ፈሊጥኩም ክትከናኸኑዎን ክትሕብሕቡዎን እላበወኩም” ኢሎም።

 

ማሕበር ልምዓት ትግራይ መንግስትና በይኑ ዘይበፅሖም ክፍተታት ልምዓት ንምምላእ መተካእታ ኣብ ዘይብሉን ቀንዲ መሰረተ ልምዓት ኣብ ዝኾነን ዘፈር ትምህርቲ ጠሚታ ዘይነዓቑ ስራሕቲ ምስራሓ ዝሓበሩ ዳይረክተር ዳይረክቶሬት ትልሚ ፕሮግራምን ምትእኽኻብ ሃፍትን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ንጉስ ከበዶም፣ መዳርግቲ ልምዓትና ንዝኾነ ትካል ትራንስ ኢትዮዽያን ኣብ ምንቅስቓስ ማልት ንጡፍ ተዋሳኢ ንዝኾነ ዞባ ደቡብን ብስመይ፣ ብስም ማሕበር ልምዓት ትግራይን ብስም ህዝብን ከመስግን ይፎቱ ድሕሪ ምባል ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዓቕሚ ሰብኣዊ ሃፍቲ ንምዕባይ ዝተፈላለዩ ሶፍት ፕሮግራማት ብምትእትታው ትነጥፍ ከምዘላ ሓቢሮም።’

 

ኣመሓዳሪ ጣቢያ ገርጀለ ኣይተ ኢብራሂም ኣርብሴ ብወገኖም ፀገም ከባቢና ተገንዚባ ሓጋዚ ኣካል ብምትእልላሽ ወነንቲ ዘበናዊ ህንፃ ንክንኸውን ንዘኽኣለትና ማ.ል.ትን ንገባሪ ሰናይ ትካልና ትራንስ ኢትዮዽያን ዘለኒ ናእዳን ክብርን ብስም ተረባሕቲ እገልፅ ኢሎም።

 

ብምትሕብባር ትራንስ ኢትዮዽያ ሓ/ዝ/ው/ማ፣ ማሕበር ልምዓት ትግራይን ህዝብን ምምሕዳርን ወረዳ ራያ ኣላማጣ ዝተሃነፀ ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ክልተ ዘበናዊ ኣካዳሚያዊ ህንፃታትን ዓይነ ምድርን ዘካተተ ‘ዩ።

Click here to see more Photos...

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms