Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 169

Who's Online

We have 56 guests and no members online

ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ ምርኢት ሳይንስ ፌር ዘካየደ 07/ ሰነ 2007 ዓ.ም ተምሃሩኡ ኣብ ዘመረቐሉ እዋን ‘ዩ።

ቓላሚኖ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ገልፋንድ ፋሚሊ ቻሪተብል ትረስት ካብ ዝተብሃለ ገባሪ ሰናይ ትካል ብዝረኸቦ ፋይናንሳዊ ሓገዝ፣ ማእኸል ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂ፣ ኢንጅነሪንግን ማተማቲክስን ከፊቱ ካብ 2013ዓምፈ ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ከምዘውዓለ ዝሓበሩ ርእሰ መምህር እቲ ቤት ትምህርቲ ኣይተ ሃ/ኪሮስ መናሰቦ፣ እዚ ማእኸል ብዘይካ ተምሃሮ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ’ውን ክጥቀማሉ ብምዕላም ከምዝተጣየሸ ሓቢሮም፡፡ ማእኸል ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂ፣ ኢንጅነሪንግን ማተማቲክስን ዋላኳ ክንድቲ ዝድለ ካብ ደገ ንዝመፁ ተምሃሮ ግልጋሎት እንተዘይሃበ፣ ንከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ግና ኣዝዩ ዓብይ ሓገዝ እንዳገበረ ከምዝመፀ ዝገለፁ ርእሰ መምህር ሃ/ኪሮስ፣ ኣብ ቀፃሊ ዝተረፉ ጎደሎታቱ ብምምላእ፣ ካብ መቐለን ከባቢኣን ንዝመፁ ተምሃሮ ሰፊሕ ግልጋሎት ክህብ ምድላዋት ተዛዚሞም ከምዘለው ሓቢሮም፡፡ ቀሪቡ ዘሎ ምርኢት ሳይንስ ፌር ውፅኢት እዚ ማእኸል ከምዝኾነ ዝሓበሩ ርእስ መምህር፣ ተምሃሮ ካብ ክልስ ሓሳባዊ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ናብ ተግባር ተኮር ከዘምብሉ ዓብይ ኣበርክቶ ከምዝህልዎ ገሊፆም፡፡

ብሳይንስን ቴክኖሎጅን ዝማዕበለ ሓይሊ ሰብ ንምፍራይ መንግስቲ ዓብይ ጠመተ ሂቡ እንዳሰርሐሉ ከምዝርከብ ዝሓበሩ ድማ ፈፃሚ ዳይሬክተር ማልት ዶ/ር ታደለ ሓጎሰ’ዮም፡፡ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ስሉጥ ዕቤት ሃገር ንምርግጋፅ ዘለዎ ረብሓ ልዑል ምዃኑ ዝሓበሩ ዶ/ር ታደለ፣ ተምሃሮ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ኣብዚ መዳይ ዓቕሞም ከዕብዩን ተወዳደርቲ ክኾኑን ብምዕላም እዚ ማእኸል ከምዝተጣየሸ ሓቢሮም፡፡ ቀሪቦም ዘለው ውፅኢታት ምርምር ሳይንስን ቴክኖሎጅን መርኣያ ተግባራዊ ምንቅስቓስ ከምዝኾነ ዘብርሁ ዶ/ር ታደለ፣ ኣብ ቀፀልቲ ዓመታት ካብዚ ብዝበለፀ ብዙሓት ስራሕቲ ምርምር ከምዝቐርቡ ዘለዎም እምነት ገሊፆም፡፡

ኣብቲ ምርኢት ሳይንስ ፌር ዝተረኸቡ ወለዲ ተምሃሮን ነበርቲ ከተማ መቐለን ብወገኖም፣ እዚ ምርኢት ምስልን ብልጫን ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ቁልጭ ኣቢሉ ዘርኢ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር፣ ብተምሃሮ ክስርሑ ይኽእሉ እዮም ኢልካ ዘይግመቱ ስራሕቲ ቀሪቦም ብምርኣይና ብዚ ቤት ትምህርቲ ኣዚና ተሓቢንናን ኮሪዕናን ኢና ክብሉ ገሊፆም፡፡

ኣብ ፈላማይ ምርኢት ሳይንስ ፌር ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ብ13 ተምሃሮ ዝተሰርሑ 7 ፕሮጀክታት ኤሌክትሮኒክስ፣ ብ14 ተምሃሮ ዝተሰርሑ 5 ፕሮጀክታት መካኒክስ፣ ብ6 ተምሃሮ ዝተዳለው 3 ፕሮጀክታት ኣይሲቲን ብ14 ተምሃሮ ዝተዳለው 3 ፕሮጀክታት ኦፕቲክስን ብሓፈሻ 47 ተምሃሮ ዝተሳተፉሎም 18 ዝተፈላለዩ ዓይነት ፕሮጀክታት ቀሪቦም እዮም፡፡ ኣብ ሕድሕድ ዘፈራት ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ኮይኖም ንዝተዓወቱ ፕሮጀክታት፣ ዝተፈላለየ ዓቕሚ ዘለወን ላፕቶፕ ኮምፒተራት ካብ ኢድ መስራትን ነበር ኣባል ኣመራርሓ ስራሕ ቦርድ ማልትን ዶ/ር ሰለሙን ዕንቋይ ተሸሊሞም፡፡

Click Here to see more...

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms