Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 160

Who's Online

We have 64 guests and no members online

 

 

 

ኣብ ዝተፈላለየ ዘፈር ንግዲ ዝተዋፈሩ ከባቢ 100 ነጋዶ፣ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ትፍፅሞም ኣብ ዘላ ልምዓታዊ ስራሕቲ ብምዝታይ ብስም ማልት ልምዓት ከባቢኦም ንምስላጥ ዝሕግዝ ገንዘብ ዘዋፅኡ 30 ጉንበት 2007 ኣብ ከተማ ዓዲግራት ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ኢቭ ሆቴል ድሕሪ ምዝታዮም ‘ዩ።
“ንልምዓት ዓድና በቢዓቕምና ክንውፈ ግድን ‘ዩ” ዝበሉ ነጋዶ፣ ስራሕቲ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ሰፊሕን ዘይነዓቕን ስለዝኾነ ተጠናኺሩ ክቕፅል ብምትሕስሳብ፣ ርኡይን ጭቡጥን ስራሕቲ ልምዓት ንእተሳልጥ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምሕጋዝ ናይ ኩሉሻብ ድሌቶም ምዃኑ ሓቢሮም።
ኣብቲ ኣኼባ ንዝተረኸቡ ነጋዶ ስራሕቲ ማልት ኣመልኪቶም መብርሂ ዝሃቡ ኣቦ መንበር ቦርድ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ከተማ ዓዲግራት ኣይተ ብርሃነ በየነ፣ ማሕበር ልምዓት ትግራይ መንግስቲ በይኑ ክሽፍኖም ዘይክእሉ ጎደሎታት ኣብ ምምላእ ብደረጃ ትግራይ መዳርግቲ ዘይርከቦ ሰፊሕ ስራሕ ከምትዓምም ድሕሪ ምግላፅ፣ ኣብ ከተማ ዓዲግራት ጥራሕ‘ኳ ንቤተ ንባብ ማርታ ከይሓወሰ ሰለስተ ኣብያተ ትምህርቲ ሃኒፃ ንሕብረተሰብ ምርካባ ህዝባውነታ ዘረጋግፅ እዩ ኢሎም።
ዳይረክተር ዳይረክቶሬት ውዳበ ኣባላትን ምትእኽኻብ ሃፍትን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ሃይለማርያም ሃፍቱ ብወገኖም፦ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብቑዕን ተወዳዳራይን ዝኾነ ሓይሊ ሰብ ንምፍራይ ቀንዲ ጠመተኣ ፅሬት ትምህርቲ ኣብ ምርግጋፅ ጌራ ኣበርቲዓ ትሰርሕ  ምህላዋ ብምዝኽኻር ቀፃሊ ተሳትፎን ሓገዝን ማሕበረ ሰብ ንግዲ ማልት ካብ እተሳልጦም ልምዓታዊ ስራሕቲ  ልዑል ኣበርክቶ ከምዝህልዎ ገሊፆም።
ሕድሕዶም ካብ ሓሙሽተ ሚእቲ ክሳብ ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ ብር ብስም ትካሎም በቢዓመቱ ንምሕጋዝ ቃል ዝኣተውን ዘዋፅኡን ነጋዶ ከተማ ዓዲግራት ዝተፈላለዩ ሕቶታትን ርእይቶታትን ኣቕሪቦም ዘዕግብ ምላሽ ካብ ነቲ መድረኽ ዝመርሑ ኣካላት ክረኽቡ ተገይሩ።
ኣብ ሕድ ሕድ ጣቢያ፣ ወረዳ፣ ዞባን ዝኣመሰለን ከባቢ ብስም ማሕበር ልምዓት ትግራይ ካብ ዝዋፃእ ገንዘብ እቲ ሰብዓ ሚእታዊ ኣብ ልምዓት ከባቢኡ ከምዝውዕል ዝፍለጥ ‘ዩ።

 

 

Click Here to see more photos...

 

 

 

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms