Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 168

Who's Online

We have 111 guests and no members online

ነታ ኣብ ፅርየትን ፅባቐን ከተማ ኣክሱም ልዑል ተራ ዝህልዋ መኪና 12 ጉንበት 2007 ዓ.ም ንምምሕዳር ከተማ ኣክሱም ዘረከቡ ተወካሊ ማሕበር ልምዓት ትግራይን ዳይረክተር ውዳበ ኣባላትን ምትእኽኻብ ሃፍትን ማልት ኣይተ ሃይለማርያም ሃፍቱ እዮም።

ኣብ ከተማ ኣክሱም ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ርክክብ ተረኺቦም ነታ መኪና ምስ መፍትሓ ዝተረከቡ ምክትል ከንቲባ ከተማ ኣክሱም ኣይተ ካሕሳይ ጊደይ፣ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፦ “ኣብ ድሮ ሓምሻይ ዙር ክልላውን ሃገራውን መረፃ ኮይንና ዘበናዊ ተክኖሎጂ ዝወነነት መኪና ንምርካብ ምብቃዕና ሓጎሰይ ደረት የብሉን” ድሕሪ ምባል፣ ምሕዝነት ህዝብታት ከተማታት ኣክሱምን ደንቨርን ካብ ዝጅመር ንነዘ ርክብ ክልቲኦም ህዝብታት ዘጠናኽሩ ሰፋሕቲ ስራሕቲ እናተሰርሑ ምፅንሖምን ምህላዎምን ሓቢሮም።

እነሆ ሎሚ ድማ መግለፂ ጥንካረ ርክብ ክልቲኦም ህዝብታት ዝኾነት ዘበናዊት መኪና ብምትሕብባር ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ደንቨር ዝርከቡ ተወለድትን ፈተውትን ከተማናን ሕቖ ልምዓትናን ለውጥናን ዝኾነት ማሕበር ልምዓት ትግራይን ክንርከብ ምኽኣልና፣ ኣብ ቀፃሊ ጉዕዞ ምሕዝነት ክልቲኤን ከተማታት ዝህልዎ ትርጉም ኣዝዩ ልዑል ምዃኑ ዝሓበሩ ኣይተ ካሕሳይ፣ ብፍላይ ከተማና ምስ ዘለዋ መስሕብ ሃፍቲ ቱሪዝም ተዛሚዱ መጠነ ሰፊሕ ፃዕርታት ብምግባር ንበፃሕቲ ዓዲ ዘለዋ ምችውነትን ፅባቐን ክትውስኽ ዝገብርን ሓቦ ዘስንቕን ተግባር ምዃኑ ተገንዚብና ንዝበለፀ ለውጥን ዕቤትን ክንፅዕር ይግባእ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

 

ንማሕበር ልምዓት ትግራይ ብምውካል ነታ መኪና ዘረከቡ ኣይተ ሃ/ማርያም ሃፍቱ ብወገኖም ማሕበር ልምዓት ትግራይ መንግስቲ በይኑ ክሽፍኖም ዘይክኣለ ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገማት ኣብ ምቕራፍ ተርኣ ኣብ ምፅዋት ትርከብ ሃገር ቦቀል ውዳበ ልምዓት ምዃና ብምሕባር፣ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝርከቡ ኣባላታን ፈተውቲ ልምዓትናን ብምትሕብባር ዘምፅአታ ዘበናዊት መኪና ኣብ ከተማ ኣክሱም ዝነበረ ፀገም መወገዲ ደረቕን ፈሳስን ጓሓፍ ኣብ ምቅላል ዘይነዓቕ ኣበርክቶ ከምዝህልዋ ዘለዎም እምነት ብምግላፅ፣ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝያዳ ንክተልምዕ ኩሉ በቢክእለቱ ከጠናኽራ ፀዊዖም።

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms