Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 160

Who's Online

We have 128 guests and no members online

እቲ ነበርቲ ከተማ ዓድዋ፣ ሰራሕተኛታት መንግስትን ነጋዶን ከተማ ዓድዋ ዘሳተፈ መድረኽ ዘተ ዝተሳለጠ 13 ጉንበት 2007 ዓ.ም እዩ።

ነቲ መድረኽ ዘተ ብመደረ ዝኸፈቱ ከንቲባ ከተማ ዓድዋ ኣይተ ኪዳይ ኣፅብሃ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፦ “ማሕበር ልምዓት ትግራይ መንግስቲ ንበይኑ ክሽፍኖም ዘይክእሉ ክፍተታት ልምዓት ንምምላእ፣ ሕብረተሰብ ኣተሓባቢራ ብውልቀን ብትካሉን ቀዋሚ ኣባል ማሕበር ልምዓት ትግራይ ክኸውን ብምልዕዓል፣ ኣብ ከተማና ኩለመዳይ ስራሕቲ ልምዓት ትዓምም ኣላ።” ድሕሪ ምባል “ልምዓት ክቀላጠፍ ተሳትፎና ክነሐይል ይግባእ” ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ተረኺቦም ህልውን ሕሉፍን ንጥፈታት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣመልኪቶም መብርሂ ዝሃቡ፣ ዳይረክተር ዳይረክቶሬት ውዳበ ኣባላትን ምትእኽኻብ ሃፍትን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ሃይለማርያም ሃፍቱ እዮም።

ኣይተ ሃይለማርያም ኣብ መብርሂኦም ማሕበር ልምዓት ትግራይ ልዕሊ 1.2 ሚልዮን ኣባላታ ኣተሓባቢራ ዛጊድ ቀንዲ ጠመተኣ መፍትሕ ምዕባለ ዝኾነ ዘፈር ትምህርቲ ንምምሕያሽ ብዝገበረቶ ምንቅስቓስ ልዕሊ 600 ቀዳማይ ብርኪ፣ ልዕሊ 30 ካልኣይ ብርክን ልዕሊ 20 ኣብያተ ንባብን ሃኒፃን ውሽጣዊ ናውቶም ኣማሊኣን ንሕብረተሰብ ምርካባ ካብቶም ማእለያ ዘይብሎም ንጥፈታታ ከም ኣብነት ዝጥቀሱ ምዃኖም ብምብራህ፣ ሀዚ’ውን ዘይተመልኡ ስራሕቲ ንምምላእ ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ኣብ ጎኒ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብምዕሳል ሃገራዊ ግቡኡ ክፍፅም ተላብዮም።

ተሳተፍቲ ‘ቲ መድረኽ ዘተ ዝኾኑ ከባቢ 30 ነጋዶ ብወገኖም ንጥፈታት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣፅቢቕና ነስተማቕሮ ኮይኑ ብወገን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዘሎ ምልዕዓልን ምውዳብን ግና ኣዝዩ ዝሑል ብምዃኑ ንቕድሚት ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ብምትሕስሳብ፣ ንልምዓት ከባቢና ልዕሌና ዝግደስ ክህሉ ኣይግባእን ብዝብል ምልዕዓል ሰማንያን ሰለስተን ሽሕ ብር ንምውፃእ ቃል ኣትዮምን ኣዋፂኦምን።

 

ንኹሎም ኣስተዋፅኦ ዝገበሩ ነጋዶ፣ ሰራሕተኛታት መንግስትን ነበርቲ ከተማ ዓድዋን ናይ የቐንየልና ወረቐት ምስክር ከምዝተውሃቦም ተፈሊጡ ‘ሎ።

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms