Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 160

Who's Online

We have 148 guests and no members online

እቲ ዕለት 09 ጉንበት 2007 ዓ.ም ኣብ ወረዳ ኣሕፈሮም ጣቢያ ላዕላይ ሓሓይለ ፍሉይ ቦታ ዕዳጋ ቀዳም ተመሪቑ ንሕብረተሰብ ዝተረከበ “ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ደስታ ገብረየሱስ” ፍረ ቴሌቶን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ‘ዩ።

ብኣፍሮ ፅዮን ኮንስትራክሽን ሙሉእ ወፃኢ ዝተሃነፀ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ወናኒ ኣፍሮ ፅዮን ኮንስትራክሽን ኣይተ ሲሳይ ደስታ ኣብ ሚሊንየም ቴሌቶን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ንምህናፅ ብዝኣተውዎ ቃል መሰረት ኮይኑ ብድልየቶም ናብ ካልኣይ ብርኪ ዘዕበዩዎ እዩ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ዝተረኸባ ምክትል ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኸሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ተወካሊት እቲ ከባብን   ወ/ሮ ንግስቲ ወልደሩፋኤል ከምዝበለኦ፣ ኣብ ድሮ ሓምሻይ መረፃ ሃገርና ዝምረቕ ዘሎ ፍረ ቃልሲ ህዝብና ዝኾነ ቤት ትምህርቲ፣ መንግስቲ፣ ሰብ ሃፍትን ህዝብን ብሓደ ተሊሞም ብሓደ እንተተግቢሮም  ልዕሊ ዓቕሞም ዝኸውን ፀላኢ ከምዘይህሉ ዘመላኽትን ዝሓለፉ ገዛእቲ ደርቢ ኣሸኪሞምና ዝኸዱ ድኽነት ኣብ ምቕባር ልዑል ተራ ከምዝህልዎን ሓቢረን።

ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ደስታ ገብረየሱስ ተምሃሮ ልዕሊ ዕስራ ኪሎሜትር ተጓዒዞም ካብ ምምሃርን ብሰንኪ ራሕቂ ካብ ምቁራፅን ዘድሓነን፣ ተሳትፎ ትምህርቲ ብምዕባይ ቁልፊ ፀገም ከባቢኦም ዝፈትሕን ብምዃኑ ንገባሪ ሰናይ ትካል ብስም ህዝብን ምምሕዳሮምን ዘመስገኑ ድማ ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ኣሕፈሮም ኣይተ ሰለሙን ይሕደጎ እዮም።

ወላዲ ወናኒ ኣፍሮ ፅዮን ኮንስትራክሽን ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር መምህር ደስታ ገብረየሱስ ብወገኖም፣ ፀገም ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ከባቢ ሓሓይለ ኣፅኒዔ 1 ብርኪ ንምህናፅ ዝኣተዎ ቃል ናብ 2 ብርኪ ቤት ትምህርቲ ክቕይሮ ንወደይ ሓቲተ ቅቡል ስለዝገበሮ ንምረቓ ብምብፃሕና ታሕጓስና ልዑል ‘ዩ ኢሎም።

ምክትል ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ኣይተ ገብረእግዚኣብሄር ኣብርሃ ብወገኖም ኣብዘስምዑዎ መደረ መንግስትና ንዘፈር ትምህርቲ ብዝሃቦ ልዑል ጠመተ ቅድሚ ዕስራ ዓመታት ኣብ ክልልና ካብ 13 ዘይበዝሓ ካልኣይ ብርክን ካብ 103 ዘይሓልፋ ቀዳማይ ብርክን ኣብያተ ትምህርቲ ምንባረን ብምዝኽኻር፣ ኣብዚ እዋን 173 ካልኣይ ብርክን 2,069 ቀዳማይ ብርክን ኣብያተ ትምህርቲ ምብፅሐን ሰናይ ተግባር ልምዓታዊ መንግስትና ዘመላኽት’ዩ ድሕሪ ምባል ንቕድሚት ‘ውን ህንፀት ኣብያተ ትምህርቲ ብስፍሓት ከምዝቕፅለሉ ብምሕባር፣ ጉዳይ ትምህርቲ ብተሳትፎ ኩሉ ኣካል ሕብረተሰብ ዝረጋገፅ ስለዝኾነ ኩሉ ኢድን ጓንትን ኮይኑ ክዋሰአሉን ፅርየት ትምህርቲ ከረጋግፅን ኣተሓሳሲቦም።

ፃውዒት ቴሌቶን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ተቐቢሎም ልዕሊ ዝኣተውዎ መፅብዓ ንዝተግበሩ ወናኒ ኣፍሮ ፅዮን ኮንስትራክሽን ብምንኣድ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጎደሎታት እቲ ቤት ትምህርቲ ከምትምልእ ቃል ዝኣተዉ ድማ ተወካሊ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ገ/ሚካኤል ሓጎስ እዮም።

ወናኒ ኣፍሮ ፅዮን ኮንስትራክሽን ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር ኣይተ ሲሳይ ደስታ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ “ዕድል ረኺበ ፃውዒት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ተቐቢለ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ንምህናፅ ዝኣተኹዎ መፅብዓ ወላድየይ መምህር ደስታ ገብረየሱስን ሓው ኣቦይን ብዝሃቡኒ ሓበሬታ ናብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣዕቢየ ብምህናፀይን ፀገም ወገናተይ ብምፍትሐይን ታሕጓሰይ ደረት የብሉን፤ ኣያታትና መስዋእቲ ከፊሎምን ኣካሎም ሰንኪሎምን ኣብዚ ኣብፂሖምና ንሕና ብመስዋእቶም ዝረኸብናዮ ጥሪትን ገንዘብን ምውፋይ ቀሊል ‘ዩ” ድሕሪ ምባል “ንቕድሚት ‘ውን ካብ ጎንኹም ከይተፈለኹ ክሕግዝየ” ኢሎም።

ደስታ ገብረየሱስ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሓሙሽተ ዓበይቲ ህንፃታት ዘካተተን ካብ 1200-1500 ተምሃሮ ናይ ምትእንጋድ ዓቕሚ ዘለዎን ዘበናዊ ቤት ትምህርቲ ‘ዩ።

 

ኣፍሮ ፅዮን ኮንስትራከሽን ቅድም ክብል ኣብ ጎንደር ጎርጎራ ቀዳማይ ብርኪ፣ ኣብ ጅማ በሸሻ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ባዕሉ ሃኒፁ ንሕብረተስብ ምርካቡ ተፈሊጡ ‘ሎ።

 

 

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms