Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 160

Who's Online

We have 140 guests and no members online

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ባህልን ቋንቋ ትግርኛን ንምዕባይን ፀሓፍቲ ንምትብባዕን ዓሊማ፣ ሰላሳን ኣርባዕተን ዝተፈላለዩ ዓይነታት መፃሕፍቲ ኣብ መላእ ትግራይ ንዝርከባ ኣብያተ ትምህርትን ኣብያተ ንባብ ህዝብን ዝሓገዘት  19 ሚያዝያ 2007 ዓ.ም እዩ።

እዞም ኣብ ምዕባለ ባህልን ቋንቋን ዓብዪ ለውጢ ከምፅኡ ዝኽእሉ መፃሕፍቲ፣ ኣብ ዞባ መቐለ ንዝርከባ ኣብያተ ትምህርትን ቤተ መፃሕፍቲ ህዝብን ድሕሪ ምሃብ ናብ ኩለን ወረዳታት ከምዝከፋፈል ኣብ ማልት ሓላፊ ኬዝ ቲም ትግበራ ልምዓታዊ ፕሮግራም ኣይተ ተወልደ ገ/መድህን ሓቢሮም።

ንሸውዓቴና ክፍላተ ከተማን ክልተ ኣብያተ መፃሕፍቲ ህዝብን ሕድ ሕድና ዝተውሃበና ከክልተ ሚእትን ኣርባዓን መፃሕፍቲ፣ ፅርየት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ኣብ ንገብሮ ፃዕሪ ልዑል ኣስተዋፅኦ ዝገብር ‘ዩ ብምባል መደረ ዘስምዑ ተወካሊ ክፍላተ ከተማ ዞባ መቐለ ሓላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ክፍለ ከተማ ዓይደር ኣይተ ኣብርሃም ገብረ ፃድቕ እዮም።

ኣይተ ኣብርሃም ነቲ ሓገዝ ምስተቐበሉ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፣ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ቅድሚ ሀዚ’ውን ተመሳሳሊ ሓገዝ መፃሕፍቲ ምግባራ ብምዝኽኻር፣ ማልት ትገብሮ ዘላ ሓገዝ ብቐሊሉ ዘይርአን ብፍላይ ንተምሃሮናን ደረስትናን ዘተባብዕ ልዑል ሓገዝ ስለዝኾነ፣ ኣዚና ኢና ነመስግን ኢሎም።

ንደረስትን ፀሓፍትን ብምውካል መደረ ዘስምዑ ኣይተ ነጋ ዘርኡ ድማ “ቀጥተኛ ወገን ህዝቢ ዝኾነት ማልት ትገብሮ ዘላ ኩለመዳይ ኣበርክቶ ኩላትና ነስተማቕሮ ጉዳይ እዩ፤ ንሕና ደረስትን ፀሓፍትን መፃሕፍቲ ፅሒፍና ሰኣን ዘሐትመልናን ዝዕድገናን ብዙሕ ፀገም ኣሕሊፍና ኢና ድሕሪ ምባል፣ ማልት ፀገምና ተገንዚባ ክንፅሕፍን ክንደርስን ብምትብባዓ ታሕጓስና ልዑል ምዃኑ እናሓበርኩ፣ እዛ ናብ መላእ ትግራይ ፍልጠት ትዝርግሕ ሓረስታይ ማእገርናን ፅላልናን ዝኾነት ማሕበር ክንሕብሕባ ይግባእ” ክብሉ ገሊፆም።

ኣብ ዓለምለኸ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ርኽክብ ተረኺቦም ንተወከልቲ ክፍላተ ከተማ መፃሕፍቲ ዘረከቡ፣ ዳይረክተር ዳይረክቶሬት ኮሚኒኬሽንን ርክብ ህዝብን ማልት ኣይተ ወልደስላሴ ረታ እዮም።

ኣይተ ወልደስላሰ ሽዑ ኣብዘስምዑዎ መደረ፦ ማልት ኣባላታ ብዝልግሱዎ ሃፍቲ ዝተፈላለየ ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገማት ህዝባ ንምፍታሕ ቀንዲ ጠመተኣ ፅርየት ትምህርቲ ኣብዘረጋግፁ ስራሕቲ ጌራ ኣብ ምንቅስቓስ ከምትርከብን፣ ብፍላይ ካብ 2005 ዓ.ም ጀሚራ ብትግርኛ ዝፅሕፉ ፀሓፍቲ ምብርታዕ ከም መደብ ሒዛ ኣብ ምትግባር ከምትርከብ ሓቢሮም።

 

እዚ ሓገዝ መፃሕፍቲ ንቕድሚት ‘ውን ኣበርቲዓ ከምትቕፅለሉ ዝገለፁ ኣይተ ወልደስላሰ፣ በዞም ናይ ቡዙሓት ደረስቲ ፍልጠት ዝተፅሓፉ መፃሕፍቲ ተምሃሮ ትግራይ ባህሊ፣ ታሪክ፣ ቋንቋን መንነቶምን ፈሊጦም ክዓብዩ ዘይነዓቕ ኣበርክቶ ከምዘለዎ ብምግላፅ፣ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣባላታ ክስስኑ ተጋሩ ፅሓፍቲ ክእለትን ሙያኹምን ተጠቒምኩም ክትሰርሑ እፅውዕ ኢሎም።

 Click here to see more Photos...

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms